Рет қаралды 18,583
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ሰግለለት ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ ኣሎ። ኢትዮጵያ ብውሽጢ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከቢድ ምትሕንናቕ ኣብ ዘላትሉ፥ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቊርቊስ ከኣ ኣብ ጠርዚ በጺሑሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፥ ዞባውያን ሓይልታት እተጸንበርዎ ድራማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይባላሕ ኣሎ። ኢትዮጵያ---ኣፍደገ ባሕሪ ውሑስ ንምግባር ምስ ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ ውዕል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝጸንሐ ኣሰላልፋ ሓይልታት ዓብዪ ድርኺት ፈጢሩ'ሎ። ኣብ ሩባ ኒል ዘለዋ ብጽሒት ክጎድል ከም ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጒዳይ ጌራ እትርእዮ ግብጺ ኸኣ ነዚ ብምምስማስ ንኢትዮጵያ ናብ ናታ ባህጊ ንምድናን ትሰርሕ ኣላ። ምስ ኣብይ ዝጸንሖ ዝምድና ኣብ ሕማቕ ዝርከብ ኢሳያስ ከኣ ነዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምንዝርና ኣብ ምስሳይ ተዓጢቑ ይሰርሕ ኣሎ።
ክቡራት ሰማዕትና ናይ ሎሚ መደብና ነዚ እናተባልሐ ናብ ጠርዚ ገጹ ዘምርሕ ዘሎ ድራማ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብመንጽር ናይዚ ሰሙን ምዕባለታት ክርኢ እዩ። ምሳና ጽንሑ።
www.dailynewse...
www.bbc.com/ne...
Join this channel to get access to perks:
/ @admasforum