Рет қаралды 13,124
ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ገድሊ ወለዶ እዩ ነይሩ። እዚ ሓድሽ ወለዶ ግን ወለዶ ልምዓት እዩ። ተልእኾኡ ብዓወት ንምፍጻም ከኣ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ዕጥቅታትን ጸጋታትን ንላዕሊ፡ ዘድልዮ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ቃልሱ ዝሃነጾ፡ ንዝኾነ ብድሆ ብዓወት ክወጾ ዘኽኣሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥንካረ እዩ። ዝሓለፈ ጉዕዞ፡ ኣዝዩ ዕዉትን ውሑስን ከም ዝኸውን ዝገበረ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥንካረና እዩ። ሕጂ እውን ዋሕስ ዓወትናን ልምዓትናን ንሱ እዩ። እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ሰጊርና፡ ኣብ ውሑስ ባይታ ረጊጽና፡ ካብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝበለጸ ዕድላት ኣብ ቅድመና ኣብ እንርእየሉ ዘለና እዋን፡ ክብርታትና ዓቂብና፡ እንተ ሰሪሕና ኸኣ፡ ኣብ ጎደና ዘላቒ ዕብየት እንጽንበረሉ፡ ዓስቢ ልዑል ተጻዋርነትና ብኻዕበት እንሓፍሰሉ ግዜ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ። ወትሩ፡ ዓወት ምስ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። #EritreaPrevails, #EPLF #Shaebia #DiscoverEritrea #Africa #EmbassyMedia #Shabait #Dendenmedia #dehai #EritreaMediaNetwork #EritreaEmbassyMedia #Eritrea