Рет қаралды 12,224
November 13 #Eritrea እዋናዊ ዛዕባ ስፖርት - ዝሓለፈ ሰሙን፡ 5 ኤርትራውያን ዝተዓወቱሉ ዓበይቲ ፍጻሜታት ስፖርት ኣጋጢሙ
ቢንያም ግርማይ (ቢኒ) ሳላ ናይ ኢራብ ኣእጋሩ ኣብ ሲንጋፖር ናይ ነጥቢ ወርቂ ተዓዊቱ፡ ቅድሚኡ ግን ፋልማይ ዓወቱ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ኣብ ጃፓን ተዓዊቱ ኣሎ። ቢኒ እቲ ሓድሽ ካቫንድሽ ይኸውን ኣሎ
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ (Isak) ብቕዓቱ ዓለም የዛርብ ኣሎ። ሓጺር ገምጋም ፕሪመርሊግ ክሳብ 11 ሰሙን ምስ ቢቢሲ ዝገበረ ናይ ቅድም ተጻዋታይ ኣርሰናል ትዮ ዎልኮት፡ ን isak ንኢዱ ክጸግቦ ኣይከኣለን። ኣርሰናል፡ ንኢሳቕ ብማድሪድ ከይተዓደገ ከሎ መስርሕ ዕድጊ ከተካይድ ሓሳባት ይቐርበላ ኣሎ። ካብ ሓለፍቲ ኣርሰናል ምስ ክሮንክ ንምዝርራብ ናብ ኣሜሪካ ኣቕኒዑ ዘሎ ጉዳይ ዕድጊ ኤርትራዊ ስዊድናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ኣጀንዳ ይቐርብ ዶ ይኸውን? ድሕሪ ቼልስን ኣርሰናልን ዘካይድኦ ጸወታ ኣድላይነት ኢሳቕ እንደዓበየ መጽዩ ኣሎ።
ኦሎምፒካዊ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሰን ኣትሌት ሃብቶም ሳሙኤልን ኣብ ኣሜሪካ ዓበይቲ ዓወታት ክዕወቱ ከለዉ። ኤርትራዊ ዩኤል ሚካኤል(Joel Mikael) ብቴብል ቴኒስ ኣብ ስዊድን ተዓዊቱ ኣሎ
ክሳብ መወዳእታ ክትከታተሉ ብኽብሪ ይዕድም
#biniamgirmay