Рет қаралды 41
ሰላም ፍቱዋት ተማሃሮ፣ እንቋዕ ዳግም ኣብ ትምህርትኹም ብሰላም መጻእኩም
ቅልውላውን ሽግርን ኮሮና ቫይረስ ገና ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ፈሊጥኩም ዶ ኣለኹም፣ ስለዚ ኣዚና ክንጥንቅቅ ኣለና።
ኮሮና ንሰባት ዘሕምም ቫይረስ‘ዩ።
ሓደ ሰብ ብዚ ቫዝረስ እንተተለኺፉ ይስዕል‘ዩ። ብናይ ኢድ ሰላምታ ከኣ ኣብ ካልእ ሰብ ከመሓላልፎ ይኽእል። እንተኾነ ካብ ነፍስና ክንከላኸሎ ንኽእል።
ኣእዳውና ብግቡእን ቀጻልን ክንሕጸቦ ኣለና። ብፍላይ ካብ ደገ ንገዛ ምስ እንኣቱ፣ መግቢ ቅድሚ ምብላዕና፣ ዓይኒ ምድሪ ድሕሪ ምጥቃምናን፣ ኣፍንጫና ድሕሪ ምጽራናን ኣእዳውና ብሳሙናን ማይን ኣጸቢቅና ከነጽርዮ ይግበኣና።
ክንስዕል ክንህንጥስን እንከለና ኣብ ምናት ኢድና እንተ ስዒልናን እንተ ሃንጢስናን ነቲ ቫይረ ካብ ምትሕልላፍ ክንከላኸሎ ንኻል።
ንጠዓሞትኩም ወይ ቁርስኹም ንበይንኹም ጥራይ ብልዕዎ። ምስ ካልኦት ካብ ምክፋል ተቆጠቡ።
ምስ መማሃርትኹም ወይ ዓርከ መሓዛኹም ክትራኸቡ እንከለኹም፣ ብማዕዶ ደኣምበር ብናይ ኢድ ሰላምታን ካልእ ምትንኻፋትን ክኸውን የብሉን።
ምስ መማህራንኩም ኣብ እትራኸቡሉ እውን ርሕቀትኩም ብምሕላው ክኸውን ኣለዎ።
ፍቱዋት ተማሃሮ፣ መማህራንኩም ንዝህቡኹም ምኽርን ሓበሬታን ብግቡእ ስምዕዎ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኩሎም ነገራት ፍልይ ዝበሉ’ዮም። እንተኾነ ብሓባር ክንሰግሮም ኢና።