ምርጫይ ሳዕቤን ኣለዎ ዶ? ትምህርታዊ ድራማ ብዛዕባ ንመናእሰይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና፣ 3ይን 4ይን ክፋል

  Рет қаралды 513,651

Thera Mjaaland - Theram Production

Thera Mjaaland - Theram Production

Күн бұрын

እዚ ትምህርታዊ ድራማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እዩ ተዳልዩ። ዕላምኡ ድማ ምስ ጉዳይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ኣብ ዙርያ ምጥቃም መቖፃፀሪ ወሊድን ምንፃል ጥንሲን ዘድሃበ ዘተ ንኽካየድ ንምልዕዓል እዩ። መናእሰይ ኣብ ዕድመ ጉርምስንኦም ንመፃኢ ሂወቶም ሳዕቤናት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እዮም ወሲዶም። እዚ ድራማ ኣማራፂታት ስነ-ተዋልዶ ብመልክዕ ሜላታት ምክልኻልን ውሑስ ምንፃል ጥንሰን ብሕጋዊ መንገዲ ቐሪቦም እናሃለው ግን ድማ ልምዲታት ስርዓተ-ፆታ ዘሕድርዎ ፅልዋ ዳህሲሱሎ። ብዛዕባ እቶም ኣማራፂታት ዘሎ ግንዛበ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ዙርያ ዕድመ አከልነትን ዛዕባታት ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ዘሎ ስቕታ እውን ሰፊሕ እዩ። ምስ ምዕቃብ ድንግልና ጓል ኣንስተይቲ ብዝተዛመደ ቅድሚ መርዓ ገደብ ፆታዊ ርክብ እንተሃልዩሞ እንተድኣ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ እተን ንኽዳለዋን ዓርሰን ክከላኸላን ኣፀጋሚ እዩ ዝኾነን። እዚ ሓፂር ትምህርታዊ ድራማ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ንምዃን ዘኽእሉ ኣማራፂታት ይህልውዶ ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሉሎ።
እዚ ትምህርታዊ ድራማ ብዛዕባ ንመናእሰይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርገን ብዝሳለጥ መፅናዕታዊ ፕሮጀክት ኣቢሉ ካብ ኖርዊጀን መፅናዕቲ ካውንሲል/ኖርግሉባል ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ ተዳልዩ። ነቲ መፅናዕቲ ዘድሊ መረዳእታ ድማ በዚ ድራማ ኣቢልካ ምስ መናእሰይ፣ ወለዲ፣ መምህራን፣ ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ሕብረተስብን ካብ ዝካየድ ዘተ ይርከብ።

Пікірлер: 353
ሙሉእ ባንዲ ኣብ ሓደ ገዛ ፍሉይ ክእለት ዘለወን ደቂ አነስትዮ
18:00
ماذا لو كانت الفواكه حية 🥥🍸😜 #قابل_للتعلق
00:42
Chill TheSoul Out Arabic
Рет қаралды 29 МЛН
Tolo Berri Tigrigna musc by Frezgi and yordi on there wedding
6:25
Frezgi 70
Рет қаралды 3,8 МЛН
hadush getmi b awet wedaj nejeneral gezae abera
7:23
Zantana Entertainment
Рет қаралды 107 М.