መደብ ሽልማት! መጽሓፍን ተወሳኺ ሕቶን

  Рет қаралды 3,309

Sagla film production

Sagla film production

Күн бұрын

Пікірлер: 37
@titichannel8465
@titichannel8465 2 жыл бұрын
ክብሪት ናይ ሰብ ብ ወልድና ሓሊፉ ወደይ ጆርጆ ሓወይ ለባመይ ከም ኩሉ ግዜ ፅቡቅ መደብ የቀንየልና ሙቁርይ ❤️🙏😘❤️❤️
@yanasmariam4766
@yanasmariam4766 2 жыл бұрын
temti wey mahrit ab hiwet tbla mexhaf ba ngereni kab amazon kgeza thanku bra
@tekleweinihabtmriam9383
@tekleweinihabtmriam9383 2 жыл бұрын
Jorjo hayal seb eka
@teamemedia
@teamemedia 2 жыл бұрын
Well come jorjo hawey ጽብቅቲ ሕቶ ኢያ እንታይ ኢለን ከምዝምልሳ ድማ ተሃንጥየ ኣለኹ
@AsmeraEritre
@AsmeraEritre 2 жыл бұрын
I love you so match ♥️
@dggffff119
@dggffff119 2 жыл бұрын
😍😍😍😘❤️
@Ybl2016
@Ybl2016 2 жыл бұрын
Sebay Walta bealti betu slezkhone
@selamentertainment9613
@selamentertainment9613 2 жыл бұрын
ኣክብሮት እዩ ካልኣይ ከኣ ኣቦና ኣዳም ቅድሚ ሄዋን ስለ ዝተፈጥረ በቦታትና ከኣ ኩሉ ጊዜ ዋልታ ኮይኑ ክከላከለላ
@Esey380
@Esey380 2 жыл бұрын
ብዓቕመይ ኪምልስ ክፍትን፡ ነዚ ኪኢላታት ኣለዉዎ ብጽቡቕ ዝትርጉምዎን ዝፈልጥዎን፡ ግን ክፍትን ኢየ 1 ሰበኣይ ቀቅድሚ ሰበይቲ ምኻዱ፡ ሀ ኣዳም ቀዲሙ ስለ ዝተፈጥረ ኢዩ ። ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 2 ካብ ቁጽሪ 21 ክሳብ 24 ፡ ተጻሒፉ ኣሎ። ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ ምዕራፍ 5 ቁጽሪ 21 ክሳብ 24 ዘሎ ነንብቦ። ስለዚ ሰበይቲ ኩሉ ግዜ ብድሕሪ ሰብኣያ ትኸይድ። ዋላ እውን ክበርሃልና ዘለዎ ስለምንታይ ወዲ ካብ ጓል ብዕድመ ዝዓብያ ኮይኑ ዝምርዖ ኪንብል ንኽእል ኢና፡ ሓደ ከምቲ ዝበልናዮ ኪኸውን እንከሎ። ለ፡ካለኣይ ከኣ እግዚኣብሄር ኪፈጥሮም እንከሎ እውን ኣዳም ከም ወዲ 30 ዓመት፡ ሄዋን ከም ጓል 15 ዓመት ጌሩ ከኣ ፈጢርዎም። ስለዚ ጎበዝ ካብ ጎርዞ ብዕድመ ዝዓቢ ኮይኑ ይምርዖ ኣብ ባህልና። ሐ፡ ኣብ ትርጉም ዘስነ ፍጥረት ዝብል መጽሓፍ ድማ ፡ ኣዳም ምስተፈጥረ ድሕሪ 40 መዓልቲ ብርሃን ተጓናጺፉ ብመላእኽቲ ተዓጂቡ ናብ ገነት ኣተወ። ሄዋን ከኣ ካብ መሰንገለ ኣዳም ምስተፈጥረት ድሕሪ 80 መዓልቲ ብርሃን ተጓናጺፋ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ገነት ኣተወት ። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ከኣ ወዲ ኣብ 40 ፡ ጓል ኣብ 80 መዓልቶም ዝጥመቑ ይብል ። ስለዚ ኢዩ ከኣ ሰብኣይ ኣብ ኩሉ ብቕድሚት ዝመርሕ። እንተ ኣስተውዒልኩም ሃሊኹም ኣብ ሃገርና ኣብ እዋን መርዓ ወይ ሓጎስ እንተ ኮይኑ ሰብኡት ብቕድሚት ኮይኖም እተን ኣንስቲ ብድሕሪኦም እንዳ ዓለላ ናብቲ ጉዳይ ዝመርሕወን። ኣብ ሞት ወይ ተስካር እንተ ኮይኑ ግን፡ ናብቲ እንዳ ምዉት ወይ ናብቲ እንዳ ተስካር ኣብቲ ጥቃ ገዛ ምስ በጽሑ ሰብኡት ብድሕሪት ኣንስቲ ብቕድሚት ኮይኖም ናብቲ ገዛ የኣትዉ፡ ክሳብ ኣብቲ ጥቓ ገዛ ግን ሰብኡት ክመርሕወን ይጸንሑ። እተን ኣንስቲ እንዳ በኸያን እንዳ ኣልቀሳን የኣትዋ ፡ እቶም ሰብኡት ከኣ ደድሕሪኤን እንዳ በኸዩ የኣትዉ። እዚ እውን ኣዳም ናብቲ ነይ ሓጎስ ገነት መሪሕወን ከኣቱ እንከሎ፡ ሄዋን ግን ነቲ ሓጎስ ናብ ሓዘን ዝቐየረት ንሳ ኢያ። ስለዚ ከኣ ሄዋን ቀዳመይቲ ብኽያት ዘምጸኤት ፡ ካብ ጽቡቕ ናብ ሕማቕ ነኣዳም ዝመረሐት ሄዋን ኢያ። በዚ ምኽንያት ከኣ ሞት ወይ ሓዘን ከኣ ሕማቕ ኢዩ፡ በዚ ከኣ ሰበይቲ ናብቲ እንዳ ሓዘን ትመርሕ ። ክፍጠሩ ይኹን ናብ ገነት ከኣትዉ ከለዉ ብማዕረ ማዕረ ኣይኮኑን ተፈጢሮምን፡ ኣትዮምን። በዚ ምኽንያት ከኣ ሰበይቲ ብድሕሪ ሰበኣያ ትኸይድ። እንተ ተጋግየ ክኣ ኣሩምኒ ኩቡራት ይሕዋተይ
@fachefache7058
@fachefache7058 2 жыл бұрын
Wawwwww naybhaki xbuk agelalxa 👍👍👍❤️❤️❤️
@suqelu
@suqelu 2 жыл бұрын
እግዚአብሔር በጹጋ ይክደንካ
@dejuwedieri2545
@dejuwedieri2545 2 жыл бұрын
Admen tianan yhabka hawey anes bizuh zeyfelto temahire kabaka thank 🙏
@bereketzeremariam6470
@bereketzeremariam6470 2 жыл бұрын
Egziabhier amelak xega ab leli xega xegu yebizahalika hawey natey 👏❤️❤️❤️👏
@samielghebrihwet6429
@samielghebrihwet6429 2 жыл бұрын
Selam eta msla abey krekba ykel.
@sama-elll
@sama-elll 2 жыл бұрын
ኣብ ትምነይዎ ምስ ትምነይዎ የምብርኩም ገጽ ትፈትውዎም ስድራኹምን ምሓዙትኩምን የርእይኩም ስደትኩም ይሕጽረልኩም ይሕዋተይ ኣብዛ ቻነለይ ሳብስክራይብ ጌርኩም ኣተባብዑኒ 😉ታንክስ ጋይስ
@samriwediqeshisamriwediqes1899
@samriwediqeshisamriwediqes1899 2 жыл бұрын
Kemzi kemay zfetweka si yhlu do
@zerihannestesfay
@zerihannestesfay 2 жыл бұрын
Enkea bselam mexaka melsi kab abeyti Aleka Ab kdmit
@fars3258
@fars3258 2 жыл бұрын
ሰብኣይን ሰበይትን ፣ ፍትሕን ምንግስትን!
@hfhd2156
@hfhd2156 2 жыл бұрын
ክብሪ ንሰብኣያ ቀዲምዋ ሰለ ዝተፈተረ ሰብኣይ ድማ ፍቅሪ ንሰበይቱ ዝገልፀሉ ከም ኣዶ ንውልዳ ብዝባና ከም ትሓዝሎ ብዝበለፀ ካብ ክመሃር
@amanrezene3961
@amanrezene3961 2 жыл бұрын
ኣዳም ቅድሚ ኢዋን ስለ ዝተፈጥረ
@kisanetkk361
@kisanetkk361 2 жыл бұрын
ብ መጀመርታ ጹቡቅ መደብ ኢካ ተቅርብ ብ ልቢ የመስግን ቀጺለ ን ሕቶካ ክፍተና 1 ኣዳም ቕድሚ ሄዋን ምፍጣሩ 2ኣዴታትና ትሕትናን ክብርን ኣብ ሰብኣይ ስለዝነበረን ኢለ ይሓስብ ኣብ ዝኮነ ድማ ቐዳምነት ንሰብእየን ይህባ ኔረን
@Natichannel12
@Natichannel12 2 жыл бұрын
ሰላም ኩቡራት ይሕዋት ናይ፡መንፈሳዊ መደብ ክጅምር ደልየስ ኢደይ ኢድካ በሉለይ እባ ሳብስክራብ ኣብ ፑሮፋይለይ የቀኔለይ,።.
@Danie2000-s8s
@Danie2000-s8s 2 жыл бұрын
ገርል ጽንሕ ብርኪይ
@Rofidc
@Rofidc 2 жыл бұрын
1. ሂቡ ዝኸልእ፡ ፈትዩ ዝጸልእ። 2. ሃሊሉ ዝመጻካ ኣድጊ፡ ኣኽቢድካ ጸዓኖ። 3. ሃላይ ሰበይቲ፡ ጸብሓ ይጥዕማ። 4. ሃመማ እንተ በዚሑ፡ መኽደን ኣልባ ነይኸፍቱ። 5. ሃመማ እንተበዝሑ ቶፋን ነይኸፍቱ። 6. ህዉኽ ኣንጭዋ፡ ዝደቀሰ ድሙ ይቕስቅስ። 7. ህውከት ይሰድድ በረኸት። 8. ህውኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ። 9. ለባም ይሓስብ ናይ ዓመት፡ ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት። 10. ላም ኣብ ዘይወዓለቶ ኩቦ ምእራይ፣ ምስኣን ውራይ። 11. ላም እሳት ወለደት፡ ከይትልሕሶ ነደደት፡ ከይትገድፎ ወለደት ብኹሉ ተገደደት። 12. ላምሲ ብኢዲ ዝቀርባስ፡ ብእግራ ትሓክኽ። 13. ላምካ እምባሕ ትበለልካ እምበር፡ ዋላ ኣይትታሓለብ። 14. ላዕላዩ ዝተዘርገ፡ ታሕታዩ ነይጸሪ። 15. ሌባ ሌባ ተበሉዋስ፡ ሉዋ ሉዋ ዝበሉዋ ይመስላ። 16. ልሳን ዓጽሚ የብሉን፡ ግና ዓጽሚ ይሰብር። 17. ልቐቕ ዘይምድርኻ፡ ውረድ ዘይበቕልኻ። 18. ልቢ ወላዲ ቀጥቀጥ፣ ልቢ ውሉድ ቀጥ። 19. ልኡኽ ሓሊቦ። 20. ሓለቓ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ሹም ዘይብሉ ንህቢ። 21. ሓሉ ዝበልዎ ኣየጥፍእ፡ኣጸብቕ ዝብልዎ ኣየኽፍእ። 22. ሓሙ ኣይግፋዕ፡ ጸባ ኣይድፋእ። 23. ሓሙስ ጽግቦ፡ ኣሽንዃይ ሰብስ ዑፍ'ኳ ትጸግቦ። 24. ሓሙኻ ሰዊት ሓጋይ ኣይኣዝዝካ። 25. ሓሙኻ ተቐራቢ ገዛኻ ነጣቢ (ኣይኹንካ)። 26. ሓሚሙ ዝተንሰአ፡ ፈጣሪኡ ረስዐ። 27. ሓሚምካ እንተ ኸድካዮምሲ ሞይቶም ይጸንሑኻ። 28. ሓምሊ ብዘውጽኦ ጸገም፡ ኣይትኹራዕ ስገም። 29. ሓምሳ ለሚን ንሓምሳ ሰብ ጣዕሚ: ንሓደ ሰብ ሸኽሚ። 30. ሓምቢሱ ዘይክእል ኣብ ቀላይ ኣይእቶ፣ ሓይሊ ዘይብሉ ቃልሲ ኣይፍቶ። 31. ሓሪስካ ምብላዕ እንከሎ: ክንድዚ ኩርንዒት ዶ ኣሎ፧ 32. ሓሪጭ ሰይጣን ዝልቃሕ፡ ከይበልዐን ይብል ጋሕ። 33. ሓርማዝ መዓኮሩ ኣሚኑ ጉንዲ ይውሕጥ። 34. ሓሰኻ ደምበ ኣብ ዝለምለመሉ: ሕማቕ ኣብ ዝፈርሓሉ። 35. ሓሲኻ ኣይቅያሕ፡ ኣብ እምኒ ደይብካ ኣይንዋሕ። 36. ሓሳዊ ኣብ መልሓሱ፡ ክናብ ኣብ ማሕፈሱ። 37. ሓሳዊ ከም ኣፉ፡ ሰራቒ ከም ኢዱ:: 38. ሓሳውን ስንቅን እናሓደረ ይፈኵስ። 39. ሓሶት ድራር ሓደ ምሸት። 40. ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ። 41. ሓቂ ንሓንቲ መዓልቲ ጭንቂ፣ ንዘለኣለም ጽድቂ። 42. ሓቂ እናሓደረ ይኹላዕ ከም ወርቂ። 43. ሓቅን ወጋሕታን፡ እናጸንሐ ይግለጽ። 44. ሓቢኤን ይጠንስኦ፡ ዓዲ ኣኪበን'ከ ይወልደኦ። 45. ሓባል መጠመቲኣ ትኳሓል። 46. ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ። 47. ሓባእ ቁስሉ፡ ሓባእ ፈውሱ። 48. ሓያል ሓምሓም ንእምኒ ሓደጋ ይወድቆ። 49. ሓደ ከምዘይተወልደ፡ ክልተ ክንዲ ሓደ። 50. ሓደ ከይጽምበሩ: ጾሞም ይሓድሩ። 51. ሓደ ዝወሳዲኡ: ብዙሓት ተሓማይኡ። 52. ሓደ ግዜ ካብ ምዝራብ፡ ሰለስተ ግዜ ምሕሳብ። 53. ሓጺራ እንተበልኩዋ’ሲ ተደቢራ ትስዕስዕ። 54. ሓፍ ከይበላ፡ ቛቕ ኣበላ። 55. ሕልፈት ንዘይፈልጥ፡ ዑና ዓዲ ኣርእዮ። 56. ሕሙም መንጸርጸሪ፡ ኣምላኽ ዝወሰኖ ንዘይቀሪ። 57. ሕሙም ዓይኒ ኣብ ጥቓ ትኪ ኣይተቕርብ። 58. ሕማም ዘይብሉ፡ ሕሙም ስጋ በሊዑ ይሓምም። 59. ሕማቕ ምስ ዝጸልእ፡ ከመዓልካ ይኸልእ። 60. ሕማቕ ነዓቒ፡ ጸማም ሰሓቒ። 61. ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት፡ ሕነ ሃብታማት ንዘኽታማት። 62. ሕነኡ ዘይፈዲ፡ ወዲ ኣድጊ። 63. ሕኑቕ እንታይ የውጽእ፧ ዓፍራ። 64. መለበም ኣይግበርካ፡ መለበም አይኽላእካ። 65. መለስያ ቖሎ: ጥጥቖ። 66. መላኺ ዘይብሉ፡ ሰይጣን ይመልኮ። 67. መልክዕ ደኣ ይሃበኒ'ምበር፡ ጣቓ ካብ ጎሮቤት ይልቀሖ። 68. መምህር ንኻልእ ይምህር፣ ንርእሱ የቕሕር። 69. መረረ ሰበይቲ ይገብር'ዩ ነብሪ፡ መልሓስ ሰበይቲንከ የጥፍእ'ዩ ነድሪ። 70. መርዑት ከይሓዛ መርዓ ክቋጸራ ይወዛወዛ። 71. መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ሓዛ። 72. መርገም ከውድቕ’ምበር ክወግእ ኣይረአን። 73. መስሓቕ ሸራፋት። 74. መናበሪ ገዲፍካ መናገሪ፡ ሞት ንዘይቀሪ። 75. መን ምዃንካ ክነግረካ፡ ምስ መን ከም ትኸይድ ንገረኒ። 76. መንቀኛ ሰብ ጸላኢኡ ይተክል፡ ፈታዊኡ ይነቅል። 77. መንገዲ ጥዕና፡ ዓመት ኪዶ። 78. መእሰሪ ዘይብሉ ማእዶ፡ ተዘርዚሩ ይስንዶ። 79. መኻሪ ዘይብሉ ንጉስ፡ ዘይሓደ ዓመት ነይነግስ። 80. መዓልቱ ዝሓለፎ ስጋ ምጭናዉ ነይተርፎ። 81. መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ። 82. መገዲ እንተ ጠፍኣካ፡ ጓል መገዲ ድለ። 83. ማይ ካብ ሩቡኡ፡ ሓሩጭ ካብ ቦኹሩኡ። 84. ማዕጾ ኣብ ልዳቱ፣ ሃካይ ኣብ ዓራቱ። 85. ምምካርሞ በዓለገ ይመክር፡ ስኣን ዝሰምዖ ይበኩር። 86. ምስ ቆልዓ ኣይትምከር: ምስ ከልቢ ኣይትታሓባእ። ኣብኡ ከለኹም ተምሃሩ እስኪ?
@Rofidc
@Rofidc 2 жыл бұрын
87. ምስ ኣድጊ ዝዋዓለስ፡ ሃ ተዘይለመደ፡ ጥራጥ ለመደ። 88. ምስ ከደ ዘይምለስ፡ ምስ ተጠውየ ዘይቕለስ። 89. ምስ ጸዉዑኻ ምጻእ ፡ከይመነውኻ ውጻእ። 90. ምስላ ካብ ሕማቕ፡ ማይ ካብ ዓሚቕ። 91. ምብላዕ ምብልዑ ዝብኢ ዓድና ይብልዓዮ ። 92. ምብላዕካ ዝለመደስ፡ እናኽርእየካ የምባሁቕ። 93. ምንም ዓመታት እንተሕለፉ፡ ካብ ሞት ነይተርፉ። 94. ምእንቲ ሞጎጎስ ትሕለፍ ኣንጭዋ። 95. ምኽሪ ንዝሰምዑ፡ ማይ ንዝጸምኡ። 96. ምኽሪ እንተ ጠፍአት፡ ኣብ ውሻጠኻ ድለያ። 97. ምግቢ ምስ ጠመኻ: ናፍቆት ምስ ተፈላለኻ። 98. ምጽላእስ ንጽላእ፡ ፍትሒ ግን ኣይንካላእ። 99. ሞትን ክራማትን ምንም ኣይተርፍን። 100. ሩባ ዘለዎ ፈሳሲ፣ ጎቦ ዘለዎ መላሲ። 101. ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ። 102. ራዛ ኣበይ ደሊኻ? ምሳኻ፧ እንታይ ስንቅኻ፧ ንስኻ። 103. ርሑቕ ከይዱ ዝምርዖ፡ ሓደው ክታልል ሓደው ከታለል። 104. ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍድክን፡ ምድሪ ይባርኸልክን። 105. ሰሪቕካ ካብ ምሕሳብ፡ ኢድካ ምእካብ። 106. ሰራቒ ከም ኢዱ፡ ሓሳዊ ከም ኣፉ። 107. ሰበይቲ ዝለኣኸቶ ሞት ኣይፈርህን። 108. ሰብ ብዘይፈልጦ ይውጽዕ፡ እዝጊ ብዝፈልጦ ይቐጽዕ። 109. ሰብ ኢለ እምኒ ቖንጢየ። 110. ሰብኣይ ክልተ ናብዝን ናብትን ክብል ሞተ። 111. ሰኣን እልይ'ዶ ነገር ይገፍሕ፡ ሰኣን ስግር'ዶ ውሕጅ ይበዝሐ። 112. ሰይጣን ንኣመሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይጠቅስ ይብሉ። 113. ሳእንኻ ማዕረ እግርኻ። 114. ሳዕሪ ዘይሃብካያ ላም፡ ጸባ ኣይትህብን። 115. ሳግላ ብላዕ ኣይትቅላዕ። 116. ስም ተራፊ፡ ብልዒ ሓላፊ። 117. ስሱዕ ክበልዕ ይሕነቕ፡ ሓሳዊ ክዛረብ ይስርነቕ። 118. ስጋስ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትትስእ። 119. ሸቡዓተ ዓመት ከይሓርስ፡ ሰብዓ ዓመት ይድንቁር። 120. ሹመት ንዝፈልጦ የኽብዶ፡ ንዘይፈልጦ የዕበድብዶ። 121. ሹም ንሹም ይኳለሱ፡ ድኻ ንድኻ ይላቐሱ። 122. ሻራ ከም ባይቶኻ፡ ታሪኽ ከም ዓድኻ። 123. ሽሕ መኻሪ፡ ሓደ ወርዋሪ። 124. ሽሕ ይሙቱ፡ ኣላይ ሽሕ ኣይሙት። 125. ሽሕ ፈልጺ፡ መጥመሪአን ልሕጺ። 126. ሽም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ። 127. ሽም ይመርሕ፡ ጥዋፍ የብርህ። 128. ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ። 129. ቀረባ ሃውካ ገንዘብካ። 130. ቀሺ ዝበለካ ግበር፡ ቀሺ ዝገበሮ ኣይትግበር። 131. ቀቅድሚ ሃገራ ዝወለደት መሸላ ወይ ንወንጭፍ ወይ ንገበላ። 132. ቀቢሩ ዝምለስ ያኢ፡ ዝመውት ኣይመስሎን። 133. ቀታሊ ሰብኣይኪ፡ ተቐታሊ ሓውኪ፡ ዘይሩ ሓዘኑስ ናትኪ። 134. ቀናፍዝዶ መፋልስ ይሕሻ? ኩለን ወዳእቲ እኽሊ ይለሓሳ። 135. ቁሓሚዮ ተበልኩዋስ ትጎስሞ። 136. ቁሪ ናበይ ደሊኻ ናብ ክዱናት እቶም ዕሩቓት'ከ ንሶም ደኣ ትሑዛት። 137. ቂም ሒዝካ ጸሎት፡ ቁም ነገር ሒዝካ ተረት። 138. ቃል ህዝቢ፡ ቃል እዝጊ። 139. ቃል ዓለም ክትገብሪ፡ ጾምኪ ከይትሓድሪ። 140. ቊልዓ ብንኡሱ፡ ቊርበት ብርሑሱ።
@Rofidc
@Rofidc 2 жыл бұрын
141. በትሪ ሓቂ ትቀጥን'ምበር ኣይትስበርን። 142. በዓለገ ብመልሓሱ፡ ከልቢ ብጭራኡ ይልለ። 143. በዓለገ ኣይትበል ዕጥንጥን፡ ወዲ ጭዋ ቀጢኑ ነይቀጥን። 144. በይኑ ዝጐዪ ዝቕድሞ’ብሉ፡ በይኑ ዝምጉት ዝረትዖ’ብሉ። 145. ባዕሉ ዝኣመነ መስክር ኣየድሊ፡ ብሱሩ ዝመንመነ ምሳር ኣየድሊ። 146. ባዕላ መቲራቶ ተሓንቀት፡ ባዕላ ሰትያቶ ተሰርነቐት። 147. ባዕላ ወሊዳቶ ኣይመሰለን፡ ባዕላ ሰንኪታቶ ኣይበሰለን። 148. ብላዕ ንኸርስኻ፡ ፍረድ ንነብስኻ። 149. ብልዒ ሓላፊ፡ ሽም ተራፊ። 150. ብዕራይ ናብ ዘበለ ተበለ፡ ዕርፊ ኣጽንዕ። 151. ብዘሎካ ተወከፍ ብዘይብልካ ኣይትሰከፍ። 152. ብዘመነይ ይጥዓሞ ወገነይ። 153. ተሃዊኸን ይኽዕወኦ፡ ተደቢረን ይሓፍሰኦ። 154. ተሓሳሚ ጓሳስ ምስሑ ዚተሓስበ ድራሩ ይዀኖ። 155. ተሓጓሚ ከሎስ፣ ትሓዝ ልቢ እጠርጥ። 156. ተቓሊሱ ዘይኽእል ቃልሲ ኣይፍቶ። 157. ተጽግበኒ ቅጫ ኣብ ምቖልኣ ከላ ይፈልጣ። 158. ነዲኣ ገዲፋስ፡ ሓትናኣ ትናፍቕ። 159. ነገርያ ዘይጸገበስ ጓል ዋጣ ይሕጸ። 160. ናትካ ገዱፍካ ናይ እናማትካ። 161. ንለባም ኣምተሉ፡ ንዓሻ ዶርጉሓሉ። 162. ንኣድግኻ ኣይትርጋሕ፡ ንጐበዝካንከ ዕጥቕኻ ፍታሕ፡ ኣይበሃልን'ዩ። 163. ንዓሻ መዓልቲ ኣንዋሕካሉ፣ ዕብዳን ወሰኽካሉ። 164. ንዘይትገድፈኒ ኣይተካላብተኒ። 165. ንዝጸገበ ብላዕ ኣይትበሎ፡ ንዝፈረሀ ትባዕ ኣይትበሎ። 166. ኣሓ ኣብ ዘይወዓልኦ ኮባቡ። 167. ኣባ ጨጎራ፡ ኣሎ እናበልዎ ሞተ። 168. ኣብ ርእሲ ልበይ እንተ ዝምዕደኒ፡ ክንደይ ደስ ምበለኒ። 169. ኣብ ርእሲ ዋጣ ዘውጠጢ፡ ኣይክዋጥን እንትርፎ ከውጠጢ። 170. ኣብ ከብዲ ጽጉብሲ ጥሙይ የሎን 171. ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ። 172. ኣብ ክንደይ ርእሳ፡ መዲድ ይፈርሳ። 173. ኣቦይ ቀሽ ዝበልዕዎ ሕምቶስ፥ ኣደይ ኢታይ ፈርሲ የጒስዔን። 174. ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ። 175. ኣንስቲ ኣይለምና፡ እንተ ለመና ኸኣ፡ ኣይስኣና። 176. ኣንጭዋ ደገስ ነንጭዋ ገዛ ተውጽኣ። 177. ኣያ ዘለዎ ዝበክስ፡ ነያ ዘይብሉ ከብኪ። 178. ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኩን፡ ሓንቲ ሪኤ ሰሚዔ ብዝሕቲ። 179. ኣይትብከ እንዲዩ ዘብክየኒ ዘሎ። 180. እምኒ ዝረገጸ ኣሰር የብሉ፡ ማይ ዝሰተ ሽታ የብሉ። 181. እሾኽ እሾኽ'ያ ተውጽኣ። 182. እናኸኣሎ ከሎ ዘይገበር፡ ክጥዓስ ይነብር። 183. እንተዘይተበትኸስ ጽቡቕ ቅጥኒ። 184. እንካ ዘይፈልጥ፡ ሃባ መን ኣልመዶ። 185. እዝኒ፡ መሰታ ቀዳሞት። 186. ከልቢ ዝበልዖ ስጋ'ምበር፡ ዝተኣልሞ በትሪ ዘይርኢ። 187. ከመ’ሎኻ ‘ይትበሎ፡ ኣብ ገጹ ኣስተብህሎ። 188. ከም ቀደም ይመስለክን፡ ውሕጅ ይወስደክን። 189. ከም ዝፈትወኒ ይስዕመኒ፡ ከም ዝጸልኣኒ ይወቕዓኒ። 190. ከብዲ ከም ዘልመድካዮ፡ ሕልሚ ከም ዝፈታሕካዮ። 191. ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ወደ'ቦ ኣይርኣዮ። 192. ከይሓረዱ ሓዊ’ንደዱ፡ ከይጸመዱ ኣንጐዱ። 193. ከይመኸርካ ዝግበር፡ ከየብኳዕካ ዝጋገር፡ እቲ ይገፍሕ፡ እቲ ይነፍሕ። 194. ከይቀተልካ ጐፈሬ፡ ከየረጋገጽካ ወሬ። 195. ከይብሉኒ ዝብልስ፡ ከይተባህለ ነይተርፍ። 196. ከይተሓርደ ኣይርከብ ስብሑ፡ ከይመርመርካ ኣይፍለጥ ጉርሑ። 197. ከይተቐብኡ ኣይነግሱ፡ ከይመንኮሱ ኣይጵጵሱ። 198. ከይተዓደመ ዚመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ። 199. ከይኮነ ወግን፡ ከይተሰብረ ጸግን። 200. ከይወዓሉ ይወዓዓሉ፡ ከይተኣማመኑ ይማሓሓሉ። 201. ከይደ እንተበልኩኻ ኣበይ ከይደ፡ ኣብ ጎቦኻ’ለኹ ሓዊ’ንዲደ። 202. ከይጠዓምኩ ካብ ሙዙ፡ ረኸብኩዎ መዘዙ። 203. ከይጸልኡና ሕራይ ንበሎም፡ ኣየነጸብቖ ከየልምዱና። 204. ከይጸውዑኻ መጻእካ፡ ከይጸገብካ ወጻእካ፡ ክልተ ሳዕ ከፋእካ። 205. ከይጸውዑኻ ኣቤት በል፡ ክጽውዑኻ ትም በል፡ እቲ ምንታይ ነገር ክዛናበል። 206. ከይጸውዕዎ ኣማኻሪ፡ ከይሾምዎ ፊተውራሪ። 207. ከይጸውዕዎ ዝመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ። 208. ከይጸገቡ ኣይዘሉ፡ ከይዘለሉ ኣይስንክሉ። 209. ከይፈልሐ ኣይግንፍልን፡ ከይበጽሐ ኣይበስልን። 210. ኩሉ መዓልቲ ደሓን፡ ሓደ መዓልቲ ግን ኣይደሓን። 211. ኩቱ እንታይ ይደሊ ዘይናቱ። 212. ካባኻ ዝይሓልፍ ጋሻስ አጥቢቕካ ስዓሞ፡፡ 213. ካብ ሃገሩ ዝወጸ ክሳብ ዝምለስ እንተጸዓንዎ ኣድጊ፡ እንተለጐምዎ ፈረስ። 214. ካብ ሓሚምካ ሕክምና፡ ተኸናኺንካ ጥዕና። 215. ካብ ምህሮስ ኣእምሮ። 216. ካብ ምስ እትጸልኦ መኣዲ፡ ምስ እትፈትዎ መገዲ። 217. ካብ ምስ ዓሻ ዘረባ፡ ምስ ለባም ዓጸባ። 218. ካብ ሳዕሳዕካስ ተቆጻጸ። 219. ካብ ሽሕ መደረ፡ ሓንቲ ወረ። 220. ካብ ንበይንኻ ገዓት፡ ምስ ሰብካ መዓት። 221. ካብ ክልተ'ያ ዝወለደስ፣ ቄናን ቆቢዑ። 222. ካብ ጉይይ ምዓል፡ ክሳድ ምሓዝ። 223. ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ፡ ካብ ማይ ጸባ። 224. ክልተ ጎራሓት’ሲ፡ ሓሙኹሽቲ ስንቆም። 225. ክሓርሰኒ ሓናጢጡኒ፡ ክዘርኣኒ ኣናጢሩኒ፡ ዓገቡ ንዓይ ሂቡኒ። 226. ክመኽርዎ ልቢ ዘይገብር፡ ከብልዕዎ ዝዓብር፡ ነቲ ምኽሪ ክላእ፡ ነቲ እንጀራ ክላእ። 227. ክምብል በለ እምበር፡ አይተኻዕወን። 228. ክሰምዕ ዘጽቀጠ፡ ዓቢ እምኒ ዝተጸቕጠ። 229. ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፡ ክህበኒ ነይኣመንኩዎ። 230. ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ፡ ክህበኒ ነይኣምኖ። 231. ክስርሓ ኢለን ዝወጻ፡ ተነጽየን መጻ። 232. ክትሕሱ ንጽባሕ፡ ዝድገም ሓሱ። 233. ክነጽፍ ዝበለ ማይ ይጨኑ፡ ክበርስ ዝደለ ዓዲ ይዓኑ። 234. ክዳን ዘለዎ ልዑል፡ ክዳን ዘይብሉ ድዑል። 235. ክድቅሱ ነገር የኾምስዑ፡ ክትንስኡ ነገር ይርስዑ። 236. ኮራዪ ጓሳስ ምስሑ እተሓስበ ድራሩ ይኸውን። 237. ወዲ ሰራሒ ማዕጾ’ሲ፡ ዝብኢ ይወስዶ። 238. ወዲ ኣማኒኻ ሓንግሮ፡ ወድኻ ኣታትዮ። 239. ዋሕስካ ንቕድሜኻ፡ ወላዲኻ ንድሕሬኻ። 240. ዋንኣ ዝኣመነት በጊዕ፡ ኮልኮላ ደገ ይሓድር። 241. ውሓጥዮ ተበልክዋስ ትጎስሞ። 242. ዑፍ ብዓቕማ ብብርዒ ስገም ትሕጐም። 243. ዒራ ዘይኢድካ፡ እንዳ ተመነ ዕንቅርቢት ምለሶ። 244. ዒራ ዘይኣፍካ፡ ሑጻ ቆሓመሉ፡ ዒራ ዘይኩርምትኻ ጸጸር ቆርጥመሉ። 245. ዓለም ዘይጸገበ መናኒ ኣዋልድ ይሳናበት። 246. ዓሳ ክትበልዕ ተጠንቀቕ፣ ደሓር ከይትሕነቕ። 247. ዓሻ ሰራቒ፡ ኣብ እግሪ ቆፎ ይርከብ። 248. ዓሻ ንሱ ዝብሎ’ምበር፡ ንሳቶም ዝብልዎ ኣይፈልጥን። 249. ዓሻ እንተዘይሓፈረ፡ ዘመድ ዓሻ ይሓፍር። 250. ዓሻ ከመይ ኣሎ፧ ዓሻ ደሓን ኣሎ፡ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ ኣሎ።
@Rofidc
@Rofidc 2 жыл бұрын
251. ዓሻ ከም ነጋሪኡ፡ መጥሓን ከም ወቓሪኡ። 252. ዓሻ ወዲ ቐሽስ ኣምላኽ ሓወብኡ ይመስሎ። 253. ዓሻ ዝተኸሎ፡ ለባም ነይነቕሎ። 254. ዓበቕ ዘምጽአ ፈጣሪ፡ መሕከኺ ኣይከልአ ጽፍሪ። 255. ዓወት ብሙያ፡ ቅድድም ብጉያ። 256. ዓዋን ኣይሙት፡ ምእንቲ ከጻውት። 257. ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ። 258. ዓይኒ ከዳዕ ነባዒ፡ ከብዲ ቃልዓለመኛ በላዒ። 259. ዓይኒ ጠላም፡ ከምስል ይብል ሰለምለም። 260. ዓይንና ዘይርእዮ፡ ልብና ዘይስሕቶ፡ ዝገብሩ በዓል ‘ስቶ። 261. ዓዲ ምስ ሰመረ፡ ንህቢ ምስ ዓመረ፡ የውህብካ’ምበረ!! 262. ዓዲ ነልምዕ ተዓሻሺና፡ ዓዲ ኣይነጥፍእ ተዋራዚና። 263. ዓዲ ክዝመት፡ ዓይንኻ ነይዕመት። 264. ዓገብ ዘይብል ንጐይትኡ፡ ዓገብ ዓገብ ክረክብ ምስኡ። 265. ዓጽምኻ ኣይተቕልል፡ ኣብ ትሕቲ ቖልቋል ኣይተጽልል። 266. ዕምሩ ዝሓጸረ በጊዕ፡ ኣብ’ንዳ ተዅላ የውግዕ። 267. ዕምሩ ዝበጽሐ ማሕስእ፡ ኣብ’ንዳ ወኻርያ ይስዕስዕ። 268. ዕምባባ ጽጌረዳ፡ እሾኽ ከይተወጋእካ ኣይትርከብን። 269. ዕረ ዘይጠዓመ፡ መቐረት መዓር ኣይፈልጥን። 270. ዕርቂ ደም መድረቒ፡ ባእሲ ደም መተርከሲ። 271. ዕብራን ከብቲ፡ ህጥራን ነኽልብቲ። 272. ዕንዳይ ናብ’ንኡ፡ ማይ ኣብ ሩባኡ። 273. ዕንጸይቲ እንተወደቐ ኣብ ጉንዱ፡ ሰብ እንተሸገሮ ኣብ ዘመዱ። 274. ዕንጸይቲ እንተዘይከሊእካዮ ሓዊ ኣይጠፍእን። 275. ዕዉር ንዕዉር ምስ ዝኽተል፡ ተተሓሒዞም ንገደል። 276. ዕዉር እንታይ’ደሊ ብርሃን፡ ነጋዳይ እንታይ ይደሊ ደሓን። 277. ዕዉር ከቕበጥብጥ፡ ምርኩሱ ደርብዩ ኣብ ምድላይ ይኣቱ። 278. ዘሕምቆ ኣለኒ፡ በትረይ ሃቡኒ። 279. ዘይሕማመን የራስነን። 280. ዘይምስል ኣብዲ፡ ዘየኾምስዕ ኣድጊ:: 281. ዘይበልዐ ነይመንዐ:: 282. ዘይተማህረ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ ነየጥሕን። 283. ዘይወግሕ መሲሉዋ፡ ኣብ ቦኽራ ትሓርእ። 284. ዘጽግበካ ቅጫስ፡ ኣብ መቚሉኡ ከሎ ይፍለጥ። 285. ዝረኣዩዎ ክገብራ፡ ዓይነን ኣንቆራ። 286. ዝረገጽክምዎ ለምለም፡ ዝተዛረብክምዎ ድማ ቀለም ይኹነልኩም። 287. ዝሰሓተ ይምከርካ፣ ዝወዓልር ይንገርካ። 288. ዝብኢ ስጋ ኣሎ ምስ በልዎ፡ ኣበይ ከይበለ ጎየየ። 289. ዝብእስ ስጋብ ዝደልዎ ይሕንክስ:: 290. ዝተደጎለ ሓዊ፡ ዝጠፍአ ነይመስል። 291. ዝነዓቕካዮ ጓሳ የጥንስ። 292. ዝንጅብል መን እንተበሉኻስ፡ መን ትብል። 293. ዝኣረገ ኣንበሳ፡ መጻወቲ ሃመማታት ይኸውን። 294. ዝኣኽለን ጥሒነ፡ ብዓለ ማርያም ይብላ፡፡ 295. ይበዝሕ ይበዝሕ፡ ከም ጨው ይነዝሕ። 296. ደርሆ ሓሚማ ኢሎምሲ፡ በጊዕ ሓሪዶምላ። 297. ደድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ። 298. ደድሕሪ ኣድጊ ዚኸደ፡ ጥራጥ ኣድጊ ለመደ። 299. ድሎ ከይትዕሎ፡ ጽናዕ ከይትምናዕ። 300. ገረብ ብሓኸላ። 301. ጉድጓድ ተንኮል ኣይትኹዓት፡ አንተኹዓትካ ኸኣ ኣይተወሽጣ፡ መን ከም ዝኣትዋ ስለ ዘይትፈልጥ። 302. ግርማ ከም ለይቲ፡ ምኽኒት ከም ሰበይቲ። 303. ጎረቤትካ ጭሕሙ ክላጸ፡ ንስኻውን ማይ ኣጠልቅዮ። 304. ጤል የብለይ፡ ምስ ወዲ ነብሪ ጽልኢ የብለይ። 305. ጥሜት መዐሸዊ፣ ሕማም መበላሸዊ። 306. ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ጠረጠሲ ዝሓረሰት ይመስላ። 307. ጮግራፍ’ሲ ሃሪማ ተእዊ። 308. ጸላኢ ጸሎሎ ቀባኢ። 309. ሰብ ጸውዕ ተበልኩስ'በዓል በለስ። 310. ጽምብላሊዕስ መቐመጭኣ ዘይከደነት፡ መሬት ከደነት። 311. ፈራሕ ከልብስ ካብ ዝብኢ ሃዲሙ፡ ኣብ ከልቢ ጎረቤት ይሕንሕን። 312. ፈታዊ ገንዘብ፡ ምስ ሰይጣን ይላዘብ። 313. ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከም ሓደ ይጥይቑልካ። 314. ፈኒፋኒ ማይ መዋቲ፡ ፈንፋኒ ሰበይቲ ጸናቲ። 315. ፈኸራ ሕበይ ምስ ነብሪ። 316. ፈውሲ ደሊኻ ትኸዶም፡ ሞይቶም ይጸንሑኻ።
@Sun-t5l1o
@Sun-t5l1o 2 жыл бұрын
ወዲ ዓዲ ምስ ደቀሰ፡ ጉሒላ ምስ ገስገሰ ፡ ሃገር ተበሳበሰ።
@saglafilmproduction9799
@saglafilmproduction9799 2 жыл бұрын
መዝጊብካዮ ኔርካ ትኸውን ንስኻ ድኣ ደርዘን ምስላ ሒዝካ ሃሃሃሃ
@mahderemesfun5039
@mahderemesfun5039 2 жыл бұрын
ሰላም ዝሓወይ እቲ መዝሙር እባ ንሓጥያት ዘማኽሩ ሰባት ኣይትጠቀመሉ ዓገብ! እቲ ዘማራይ እኮ ከምዚ እዩ ዝብለና ምክሪ ጻድቃንን ምክሪ ሓጥእን ከማዛዝን ከሎ። መዝሙረ ዳዊት 1፥7 እስመ ያአምር እግዚአብሔር ፍኖቶ ወፍኖቶሙ ለኃጥኣን ትጠፍእ። ሰብኣይን ሰበይትን እኳ ኣብ ዓድና ከምዝመስለኒ ተማራሪሖም ኣይኮዱን እዮም። ነገር ግን ሰበይቲ ምስ ሳንድኣ ወይ ማሓዛኣ ሰብኣይ ምስ ዓርኩ ወዲተባዕታይ ምስ መዘንኡ ጓልኣንስተይቲ ምስ ሰናዱኣ ወይ ማሓዙታ መተዓቢታኣ እዮም ዝገሹ። እምበር ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ዝገሹስ ዝውቱር ኣይኮነን። ኣነ ከምዝመስለኒ ግን ባህልናን እምነትና ሓደ ምኳኑ መግለጺ እዩ ይብል። ከምኡ ውን ምስ ሕጊ እንዳባ ይሳማማዕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ብናይ ኦርቶደክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ግን ከምዚ ይመስል ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ትሕትና። መ፡ቅ፡ጳ፡ ናብ ሰብኣ ኤፌሶን 5፥33 ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ። መልእክተ ብምስላ ወለድና ገይረ ክዓጹ! ሰበይቲ ዝለኣኸቶ፤ ሞት ነይፈርሐ።
@saglafilmproduction9799
@saglafilmproduction9799 2 жыл бұрын
ቃለ ህይወት የስምዓልና፡ ግን 'ኮ እግዚኣብሄር ዘይሕንግሮ የለን ክብል ከለኹ 'የ መዝሙር ተጠቂመ።
@በርጌድንሓመዱ-ሰ1ረ
@በርጌድንሓመዱ-ሰ1ረ 2 жыл бұрын
እሺ,ማለት ሰብኣይ ርእሲ እዩ፡ከምቲ ክርስቶስ ኣምላክና ርእሲ ናይታ ቤቱ ዝኮነ, ሰበኣይ ድማ ከምኡ'ዩ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 1ይ ጴጥሮስ 1-2: ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 3-4: ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። 5: ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። 6: ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን። 7: ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። ብሓፈሻ እቲ ክብሪ ካብዚ እዩ ዝብገስ ጆርጆ ሓወይ ፡የቀንይርልና ከኣ
@suqelu
@suqelu 2 жыл бұрын
ቃለ ሕይወት የስማዓልና እዋይ አበይ እሞ ክርደአን በል ንፋስ ቀልቀል ባዓል ጋሻ ዉሕዝ
@gangnamstyle6576
@gangnamstyle6576 2 жыл бұрын
ሃታው
@adeymearey322
@adeymearey322 2 жыл бұрын
Aleka nska dea hataw? Zytmehar gda?
@tigrignaculture1555
@tigrignaculture1555 2 жыл бұрын
Habal beliya keytkdmeki gedef/fi
ን ፒራሚድ ዝሰርሑ ህዝቢ ተረኺቦም!
47:35
Hbri Vodcast | ሕብሪ ቮድካስት
Рет қаралды 143 М.
To Brawl AND BEYOND!
00:51
Brawl Stars
Рет қаралды 17 МЛН
Quando eu quero Sushi (sem desperdiçar) 🍣
00:26
Los Wagners
Рет қаралды 15 МЛН
Sigma Kid Mistake #funny #sigma
00:17
CRAZY GREAPA
Рет қаралды 30 МЛН
Правильный подход к детям
00:18
Beatrise
Рет қаралды 11 МЛН
New Eritrean short film by Jorjo Ghebreyesus (Qael) 2022 ቃኤል
24:19
Sagla film production
Рет қаралды 70 М.
ዘልኩ ድኣ! ግርማይ ሳንዲያጎ  2025
17:11
Ghirmay Sandiyago | ግርማይ ሳንዲያጎ
Рет қаралды 93 М.
To Brawl AND BEYOND!
00:51
Brawl Stars
Рет қаралды 17 МЛН