Рет қаралды 47
ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ህዝብና ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወለዐ ኲይናት ተዳኺሙ ብምንባሩ ወለዲ ንደቆም ናውቲ ትምህርቲ ኣማሊኦም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምልኣኽ ተፀጊሞም ኣብ ዝነበሩሉ ኩነታት ብመንፈስ ምትሕግጋዝ እቶም ፀገማት ንምቕራፍ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ልዕሊ 81 ሽሕ ተምሃሮ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ዝሓበሩ ኣይተ ትርፍነህ፤ ኣብ ዘመን ትምህርቲ 2017 ‘ውን ስኣን ናውቲ ትምህርቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተርፍ ህፃን ንከይህሉ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ማልት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባን ከምኡ’ውን ናብ ባንክታተ ሒሳብ ቁፅሪ ማልት ብምልኣኽን ኣቢሉ ኩሉ ግዱስ ወገን ኣብ ህንፀት መፃኢ ወለዶ ብፅሒቱ ከወፊ ፀዊዖም።