Рет қаралды 97,077
#ንመለስ
#eritreanorthodoxmezmur #orthodoxmezmur
እግዚአብሔር አምላክ፡ ከሎ ንጉሥ ፍቕሪ
ጽድቅና ዝሃጉግ፡ ኃጢኣትና ዝፈሪ
ብዝኂ በደልና’ዩ ፡ ሕይወትና ዘይቅደስ
ናብ አምላክ ንመለስ ናብ አምላክ (2) ዘመንና ክሕደስ
1. ሓጎስ ክንረክብ ፡ ዓለም ተጎዝጒዝና
መዓልትን ለይትን ፡ ስማ እንተጸዋዕና
ዓስብና ኮይኑ ፡ ደስታ ኣልቦ ዕግበት
መቕደስ ውሽጥና ፡ መሊእዎ ርኽሰት /2/
ከም ምብራቕ ካብ ምዕራብ ፡ ዝርሕቕ ግዝኣቱ
ክሳዕ መዓስ ኢና ፡ ክንፍለ ካብ ቤቱ
ሓላፊ እንድዩ ኵሉ ፡ ፍትወት ዓለም ሥጋ
ፀሓይ ከይዓረበት ፡ ንመለስ ብኣጋ /2/
2. ብዘይ ሥጋኡን ፡ ብዘይ ክቡር ደሙን
ኣብ መዝገብ ሕይወት ፡ ስምና ኣይጸሓፍን
ልብና ኣንጺሕና ፡ ንለምኖ ፈውሲ
ኣይዕሾን’ዩ እኮ ፡ ብመዓርግ ብልብሲ
ክንደይ ጠፊኦም’ዮም ፡ ናይ ስምዒት ሰባት
ርድኢት ነጥሪ ፡ ከይመጸና ውርደት
ከምቲ ዝሓስበና ፡ ብግብሪ ክንነብር
ናብ ጐይታ ብምምላስ ፡ ኣመት ነፍሲ ንግበር /2/
3. ከመይ ነለሊ ፡ ሕብሪ ናይ ሰማያት
ምንባብ ስኢና ፡ ናይ ዘመንና ትንቢት
ክቡር ሰብ ግና ፡ ንስሓ የቐድም
ዓይኒ የንቑሕ ፡ ብመንፈስ ይልብም
እቶም ዝተመለሱ ፡ ቀልቢ ዝገበሩ
ብፍቕሪ ማሚቆም ፡ ምስ ጐይታ ይነብሩ
እንተ ጽባሕ ዝብል ፡ ኣነስ ከርክበሉ
ኣይጽበዮን’ዩ ሞት ፡ ለይቲ ክወግሓሉ/2/