Рет қаралды 103,390
❤ ኣደይ!!!!!
👉ኣብቲ ማዕዶ ስግር ሩባ ፥
ኣብቲ ማዕዶ ስግር ሩባ
ዘለኽን ጻህየይቲ ጎልጎልቲ ተዛረባ
ኣደይ፥ኣደይ፥ኣደይ'ዶ ሪኢኽን ጥኻኽን ኣብ ቀረባ።(2)
………………❤………………………
ዓለም ጸቢቡኒ ድሕሪ ኣደይ
ከማዕዱ ደኺሙ የዒንተይ
ኣንጊሃ ምስ ወጸት ገስጊሳ
ኣይተመለሰትን ናበይ ገጻ ደኣ ኣላጊሳ።
……………………❤………………………
ሺሻይ ዝመልኦ ብርኩት ቆፎና
ደሚቕ መብራህቲ ባና ገዛና
ኡኩብ መኣዲ ናይ ስድራ-ቤትና
ንሳ ዘይብሉ………ጣዕሙ ቐይሩ
ጭልምልም ኢሉ ሙዉቕ ናብራ……ኣ
ዓንጋሊት ናይ ስድራ ………………ኣ
ነዊሕ እዋን ኮይኑ ኣበይ ኮን ኣቢላ
ኣመታ ግበራለይ ኢኽን ሓደራ።(3)
………………………❤………………………
ኣብቲ ጎቦ ክኔጂኡ፥ኣብቲ ጎቦ ክኔጁኡ
ትሰርሑ ዘለኹም ትጎስዩ ትዘርኡ
ኣደይ ኣደይ ኣደይ እንተልያ ራኣዩለይ ኣብኡ።(2)
……………………..❤………………………
ኣብ ውሽጢ ገረብ ናይ ጫካ
ኣብ ሞንጎ ኣራዊት በረኻ
እንባታት ጎቦታት ስንጭሮ
ደኺመ ከይበለት ዘይጽወር መከራ ትጸሮ።
………………………❤…………………………
ሰማይ ነጉዱ ክዘንብ እዋን
መዕቐሊ ሲኢኑ ትዕሩቕ ዝባን
ኩሉ ክትክእሎ ተቐኒታ ምራን
ኣብ ዱር ኣብ በዓቲ፥ኣብ ጸላም ናይ ለይቲ
ኮይና ንብሕቲ............❤❤❤❤❤
ኣብ ጽምዋ………......ኣ ናብራ ሓርቢትዋ
ብኸርተት ተሕልፎ ክሳብ ዕለት ራህዋ ናይ ራህዋ
ካብቲ ድርብ ጋቢ ምስ ኩታ
ብቑሪ ትግረፍ በሳሓይታ።
…………………❤……………………………
ዓለም ጸቢቡኒ ድሕሪ ኣደይ
ከማዕዱ ደኺመን የዒንተይ
ኣንጊሃ ምስ ወጸት ገስጊሳ
ኣይተመለሰትን ናበይ ገጻ ደኣ ኣላጊሳ
ሺሻይ ዝመልኦ ብርኩት ቆፎና
ደሚቕ መብራህቲ ባና ገዛና
ዓለም ጸቢቡኒ ድሕሪ ኣደይ
ከማዕዱ ደኺሙ የዒንተይ።
…………………❤………………………
ኣብቲ ውሽጢ ገረብ ናይ ጫካ
ኣብ ሞንጎ ኣራዊት በረኻ
እንባታት ጎቦታት ስንጭሮ
ደኺመ ከይበለት ትጸሮ
ካብቲ ድርብ ጋቢ ምስ ኩታ
ብቑሪ ትግረፍ በሳሓይታ።(2)👈
…❤……………End……………❤……
By: legend #Abrar #Osman
© 2020 Harmony Digital Studio ALL RIGHTS RESERVED.
Subscribe & follow us:
/ @harmonyeritreanmusic
/ dawit.kidane1