Рет қаралды 666
12/08/23
[ ኦሪት ዘዳግም 4 ]
16 ብዝኾነ ምስሊ፥ ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ብመልክዕ ሰበይቲ ምስሊ ጣዖት ብምግባርኩም ከይትበላሸው ተጠንቀቑ።
[ ኦሪት ዘፀኣት 20 ]
1 እግዚኣብሔር ድማ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ተዛረበ፦
2 “ካብ ምድሪ ግብጺ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውፃእኩኻ፥ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ እየ።
3 “ብጀካይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
4 “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፥ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ምስልን ሥእልን ዘበለ ንኣኻ ኣይትግበር።
5 ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን። ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፥ ንዚጸልኡኒ ኃጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሣልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፥
[ ኦሪት ዘፀኣት 25 ]
17 “ምንዋኁ ኽልተ እመትን ፈረቓን፥ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ዝኾነ፥ ብጽሩይ ወርቂ ዝተሠርሐ መኽደን ግበረሉ።
18 ወርቂ ቐጥቂጥካ ኽልተ ኪሩቤል ሥራሕ፥ ኣብ ክልተ ወሰኑ ናይቲ መኽደን ድማ ግበሮም።
19 ሓደ ኺሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፥ ካልኣይ ኪሩቤል ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ምስቲ መኽደን ኣላጊብካ፥ ብኽልተ ወሰኑ ግበሮም።
20 እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ እናተረኣኣዩ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፥ ነቲ መኽደን ድማ በኽናፎም ይኸውልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን ኣቢሉ ይጠምት።
21 ነቲ መኽደን ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። ነቲ ኣነ ዝህበካ ጽላት ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።
22 ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፥ ካብቲ መኽደን፥ ካብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ጽላት ዘለዉ ኽልተ ኺሩቤል፥ እቲ ንደቂ እስራኤል ዚኸውን ትእዛዝ ኵሉ ኽህበካ እየ።
[ ኦሪት ዘኁልቁ 21 ]
4 ደቂ እስራኤል ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ኻብ እምባ ሆር ተላዒሎም ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፥ እቶም ሕዝቢ ኸኣ ኣብ መገዲ ዓቕሎም ኣጽበቡ።
5 ኣብዚ እንጌራ የልቦን፥ ማይ ድማ የልቦን፥ ነዚ ፈኵሽ እንጌራ ኸኣ መኖናዮ፥ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣውፃእኩምና፧” ኢሎም ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣጕረምረሙ።
6 እግዚኣብሔር ከኣ መርዛማት ኣትማን ናብቶም ሕዝቢ ሰደደ። ነቶም ሕዝቢ ድማ ነኸስዎም፥ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙኅ ሕዝቢ ሞተ።
7 ሽዑ እቶም ሕዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም “ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ኃጢኣት ገበርና፥ ነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሔር ለምነልና” በልዎ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ሕዝቢ ለመነ።
8 እግዚኣብሔር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “በስራዚ መርዛም ተመን ግበር፥ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ዝተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ ኸኣ ኺሓዊ እዩ።”
9 ሙሴ ኸኣ ኻብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፥ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ብተመን ዝተነኽሰ ዘበለ ሰብ ናብቲ ተመን ኣስራዚ እንተ ጠመተ ድማ ይሓዊ ነበረ።