ፍታሕ ዝሰኣኒ ሕቶ ህዝቢ ነበርቲ ካብ 2003 ዓ/ም ክሳብ 2016 ዓ/ምንልዕሊ 13 ዓመት ዝኣክል [1]

  Рет қаралды 35

Muler Entertainment

Muler Entertainment

Күн бұрын

Muler Entertainment - ሙሉር ኢንተርተይመንት
ዩቲብ ቻነል!
🔔On this channel.you'll find musics,Live performances,new music
videos,social media tips videos,i upload three videos evrey week.
እንኳዕ ናብ ሙሉር ኢንተርተይመንት ብሰላም መፃእኹም። ኣብዚ ቻናል ደስ ዝብሉ ናይ መድረኽ ስራሕቲ;ድኩመኒትሪ፡ፍልምን፡ሓፂር ኮሞዲ፡ሓደሽቲ ትግርኛ ቪድዮ ደርፍታትን ንምርኣይ ሳብስክራይብ ብምግባር ናይ ደወል ምልክት ብምንኻእን ቤተሰብ ሙሉር ኢንተርተይመንት ይኹኑ ስለ ዝመፃእኹም የመስግን::🔔
🔔social media_ንምክትታል እትደልዩ🔔
1️⃣facebook=Muler Entertainment
2️⃣WhatsApp =Muler Entertainment
3️⃣Tik tok=Muler Entertainment
4️⃣Telegram = Muler Entertainment
5️⃣ lnstagram =Muler Entertainment
6️⃣Gmail =mulugetamuruts12@gmail .com
ፍታሕ ዝሰኣኒ ሕቶ[ድምፂ] ህዝቢ ነበርቲ ጣብያ ማይ ፀዶ ቁሽት እምባፍቃዱን ዲግዲግታን
ካብ 2003 ዓ/ም ክሳብ 2016 ዓ/ም
ንልዕሊ 13 ዓመት ዝኣክል
ኪንዮ ምንቃሕ
ሞተር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፤ ሰዓባይ ወለዶ ስነ ልቦናውን ማሕበራዊን ዓብሉ ከይሰሓተ ብጅማት ኣያታቱ ዝተተትዐ ገመድ ታሪኽን ጅግንነትን ወለዱ ከይልሕልሕ ሓደራ ዘሰክሙ ረዘንትን ጥዑማትን ዜማታት ገድሊ ሕጂ እውን ኣብ ደም ኩሉ ፈታዊ ትግራይ ብረስኒ ይገናፈሉ፡፡
ውህደት ዜማን ቃልን ሙዚቃ ገድሊ ኣብ ልቢ ትግራዋይ ዝፈጥሮ ሙቐት ኣብ ትሕቲ እዛ “ሙዚ-ቃል” እትብል ርእሰዓንዲ ቀለማዊ ዳህሳስ ክንገብር ስዓቡኒ (ብቋንቋ ጉዕዞ መስርዕ ኣሲርኩም ስሓቡ)፡፡
ወለዶ ትግራይ መፋርቕ 19 60 ታት ዓ.ም እቲ ኣብ እንግድዓ ዜጋታት ዝተዳዕነነ መዲድ ፋሺስታዊ ስርዓት የውርዶ ብዝነበረ ግፍዒ ብምንፅርፃር ፦
“ሰኣን ኣያ ሰኣን ኣያ ትግራይ ዓደይ ኣማዕዲወ ርእየያ”
ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ምፍላስ ገዲፉ ፣ባዕሉ ኣያ ክኾን ፤ ባዕሉ ክውንና ፤ ኣማዕዲው ዝጥምታ እንከይኮነስ ኣብ መረባኣ ብነፃነት ክሕምብጥ... “ትግራይ ዝዓደይ፣ ኣይትብከይለይ ኣይትንብዕለየ ነዊሕ ምንሽር፣ በቲ ደጎል ደርብይለየ፤ ኣሃይ ላልማይ...” ኢሉ ንብዓት ኣዲኡ ብእርሳስ ምንሽር ክሕብስ ናብ መሮር እዩ ዝወፀ፡፡ ካብኡ ደሃይ እቲ ምልኪ ተፀይፉ እምቢ ኢሉ
ንበረኻ ዝወፈረ ኣያኡ ዝደንጎዮ በፅሒ፦
“... ንገርንንዶ ሓለፋይ ሓቁ ክፈልጦ ንዳሕራይ ኣያይ ናበይ ኸይዱ ኣብሻይ ኣያይ ናበይ ኸይዱ ኣብሻይ...”
እናበለ ይሓትት፡፡ ኣይኡ መእንተ እታ ብዙሓት ዝምክሑላ ፣ ምእንተ እታ ብዓንድን ታኼላን ፣ ብቓስታን ማእገርን ደቃ ደው ዝበለት ዓዱ ጎበጥታ ሓመድ ድበ ከእቱ ናብ ቃልሲ ከምዝወፈረ ካብ ልሳን ኣብሻዩ ቁርፁ ሰሚዑሎ፡፡ ደኒኑ ኣይነበዐን፣ ኽሳዱ ለውዩ ተኾርምዩ ኣየስተማሰለን፡፡ የግዳስ ፦
“ትግራይዶ ሓሊፎም ፣ብዚ ገይሮምየ፤ ሃበኒ ሓምባረይ ፣ ክኽተሎም ባዕለይ ክኽተሎምየ”
እናበለ ኣሰር ኣያታቱ ፣ኣሕዋቱን መሳቱኡን ድኣ ሰዓበ፡፡ ዳሕራይ ኣብ መንገዲ ዕማሙ ፣ ኣብ መትከል ቅዋሙ ልጓም ኣፅኒዑ እንትግስግስ ኣብ ደምበ ሕልንኡ ቅዝል ዝብልዎ ምስልታት እውን ነበሩ፡፡ ካብኣቶም፦
“ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ፣ ትውይ እናበልኪ ለይቲ ብሕልመይ ፣እናተመለስኪ፤ ደሃይ መድረኽ ስምዒ ፣ኣብ ማዕበል ሓምብሲ ቃልሲ ህይወት እዩ ፣ህይወት እውን ቃልሲ ፍቕሪ ህይወት እዩ ፣ህይወት እውን ቃልሲ”
እናበለ ፍቕርን ዝኽርን የዝምር፡፡ ግን ከኣ ነዛ ስምዒቱ ናብታ ዝኣመነላ መትረብ ቃልሲ ህዝቢ ክትፅምበር ደኣ እምበር፤ ካብታ ብስም ብፆቱ እናመሓለ ዝፈስሰላ ዋሕዚ እምነቱ ክተናጥቦ ኣየፍቀደን፡፡
“ኣነን ንስኽን ኣብ ከይዲ ማዕበልና ፣ብሓባር ክንገጥም ኣብ ኣፃድፍ ኣግዳል ፣ጥውይዋይ ኩርባታት ብሓባር ክንተምም፤ ኢድኪ ምስ ኣእዳወይ ፣ሽኻል ምስዓተረ ክምስታ ሓዊስና ትሰምዒዶለኺ ደሃይ ናይዚ መድረኽ፣ ደወል ናይ ማዕበልና፤...”
ኣቢሉ እዩ ብፍቕሪ ዝተደለኸ ኣዋዘ ቃልሲ ዘበን ንወለዶ ዘስገረ፡፡
“ውፈር ተበገስ ከምዚ ሐዚ ሳይንሳዊ መብረቅኻ ኣውርደሎም ውግእ ብሱል ክእለት ኣማዕቢልኻ ብስልትታትኻማ ኣርዕዶም...”
እናተባህለ ዕርዲ ምኩሓት ደርዒሙ ኣብ ድፋዖም ክዕልልን ፀላእቱ መልሓሶም ክሓይኩን ምርኣይ ድማ ልሙድ ናይ ወርትግ ተግባሩ ኮነ፡፡ በዚ እውን ፦
“ተጋዳላይ ተጋዳላየ...ተጋዳላይ ኢኻ ተጋዳላየ ብምንታይ ንግለፅኻሞ ፣ካብዚ ንላዕላየ”
ዘብል ኣብ ሕደማ ግጥሚ ደርፊ ውዕልኡ ንምኽታብ እውን ቃላት ዝተሰነፉሉ ልዕለ -ሰባዊ ፅንዓት ተወለደ፡፡ ካብቲ ማዕዶ ጎደቦ ኣብ ደጀን ካብ ዘለው ኣያታቱ ይሰምዖ ዘሎ ብስራት እውን ወነ እዩ ዘሰስን ፡፡ ሓደ ኢዶም ዕርፊ ሓደ ኢዶም
ማሕፀ ሒዞም ኣብ ገርሁ እንትውዕሉ፤ ንእግረ መንገዶም ብደንጎላ ምርኮ ዝማልኡ ሰብ ድርብ ዕማም ወለዱ ልቡ እናሞቕዎ እዮም፡፡
“በዓል ወነ ሕንጊድ በዓል ኣመል በዓል ዋልታ በዓል ድርብ ሾተል ብከላሻን’ማቱ ኣንጉዕ መምከኺ ብደንጎላ ኮለኔል ማራኺ”
እናበሉ ክልተ ምህርቲ ክሓፍሱ ተራእዩ፡፡

Пікірлер
At the end of the video, deadpool did this #harleyquinn #deadpool3 #wolverin #shorts
00:15
Anastasyia Prichinina. Actress. Cosplayer.
Рет қаралды 16 МЛН
АЗАРТНИК 4 |СЕЗОН 2 Серия
31:45
Inter Production
Рет қаралды 775 М.
طردت النملة من المنزل😡 ماذا فعل؟🥲
00:25
Cool Tool SHORTS Arabic
Рет қаралды 33 МЛН
ነጋሽ በዓል ጋዶ Negash Beal Gado
12:44
Mosaic Bahli
Рет қаралды 23 М.
Kemalatkum - New Ethiopian tigrigna comedy fara mekera part 3 (full) 2019
17:32
Kemalatkum Entertainment
Рет қаралды 188 М.
At the end of the video, deadpool did this #harleyquinn #deadpool3 #wolverin #shorts
00:15
Anastasyia Prichinina. Actress. Cosplayer.
Рет қаралды 16 МЛН