Рет қаралды 19,700
👉ኣብቲ ስም ክርስትና ዝብል ስም ክርስትናኩም ጸውዑ፡፡
👉ነዚ ኦዲዮ ኣብ መንገዲ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኮይና ብምስማዕ ምስ እግዚአብሔር ንክንራኸብ እየ ኣዳልየልኹም፡፡
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐድ ኣምላኽ አሜን +
*⌚ድሕሪ ፋዱስ ቀትሪ ሰዓት 3፡00 pm (09:00)
💠ድርሳን ራጉኤል ብትግርኛ📖
በስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ አሐድ አምላኽ እኣምን።
ኦ"""እግዚአብሔር! !ብመሰረት ፆሎትን ኣማላድነትን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል ኣብዛ ምድራዊ ኣዳራሽ መቐደሰካ ኮይነ ንዘቕርበልካ ኣብ ሰመያዊት ኣፀደ መቕደስካ ኴንካ ተቐበለኒ!!
ኦ""""ቅነዕ ፍራዲ ዝኾንካ ኣምላኽ!!ንገበርቲን ዓመፃ ሕነ ዚፍን ጎይትነትካ እዩ ሞ ነቶም ዘጋፍዑንን ኣብ ልዕለይ እክይ ብምሕሳብ ንወድቀተይ ዚቀላጠፍ ፀላእተይን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል ኣብ ቅድሚኦም ኃሊፈ። ብእሳታዊ ሰይፍ ብምህራም ፣ሕነይ ንክፈዲ ናበይ ልኣኮ!!።እዚ ግን ከም ምሕረትካ ደኣ እምበር ከም በደለይሲ ኣይኹን!!።
ኦ"""እግዚአብሔር!!ብምሕረትካ ክትበፀሐኒ ረዴኤት ቅዱስ ራጉኤል እዉን ከይፍለየኒ፣ድርሳን ቅዱስ ራጉኤል ሊቀ መላእክት ከምዚ እናበልኩ እፅሊ ኣሎኹሞ ስምዓኒ!!።.አካዕ .ቤቃዕ. ክስብኤል .ዐማኑኤል .አህድኤል.ቡኤል .ጌኤል . ኣኀልያል . ተኢጋሥያልብ.ያውዐያል. መሳጥያል. አውሲፍያል
ኦ"""""ኣምላኽ ምድሕነይ ንኣይ ንድኹም ኣገልጋሊኻ ምሕረትካን ረዲኤትካን ከይፍለየኒ እልምንን እጸልን ኣሎኹ ሞ ስምዓኒ!!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ"ኣርያማዊን ንሥርን ራማዊ ዑፍን ዚተሰመኻ ቅዱስ ራጉኤል ሊቀ መላእክት !!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ"ግርማ ማገስ ዝለበሰካ ክቡር መልእኽ!!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ"ብትግሃት ንኣምላኽ እተመስግን ትጉህ ኣገልጋሊ!!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ" ብመንፍስ ንዝተጨነቑብ ብሓሳብ ንዝደኽሙን ናይ ሕልና ዕረፍቲ ዝኾንካዮም መላእኽ!!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ"' ንገሥታትብ ኖቫም ዚተራዳ እካዮም ረዳኢ!!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ"ንቅድስቲ ኣርሴማ ኣብ ጊዜ ሽግራ መድህን ዝኻንካያ!!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ" ወርቂ ምስጋና ዚተሰላምካ!!
ሰላም ንኣኻ ይኹን ኦ"ካብ መዓርን ፀባን ዚጥዕም ድምፅኻ!!
ኦ""""ቅዱስ ራጉኤል ኣብ መሪር ጊዜ ፀገምን ህወክትን ካብ ዝፍጥር ሰይጣናዊ ፀላእን መልእከ ሞትን ብኃይሊ ፆሎትካን ረድኤትካን ንነፍሰይ ሓልዋን ኣድሕናን!!ኣሜን።
ኦ"""ኣምላኽ ቅዱስ ራጉኤል ሊቀ መላእክት!! ኃጢኣተይን ኣበሳይን ይቕረ ኢልካ ካብ መከራን ሥጋን ነፍስን ንኣይ ንድኹም ኣጋልጋሊኻ ------ንዘለዓለም ሠውረንን ኣድሕነንን!! ኣሜን።አቡነ ዘበሰማያት-----።
መግለፂ
እዞም ኣሰማተ መላኮት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ራጉኤል ንነሥታት ኖቫም ዚተራድኣሉን ንምድኃን ቅድስቲ ኣርሴማ ኣብ ዚተገልፀሉን ጊዜ እግዚአብሔር ዚሃቦ እዮም ።
+ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን+
👉ኣብዚ ቻናል ሓደሽቲ ዝኮንኹም ነታ ናይ ሳብስክራይብ ምልኽት ብምጥዋቕ ናይዚ ቻናል ቤተሰብ ኩኑ።
/ @nkhu27
©ንቕሑ Nkhu27
👉Telegram t.me/nqhu27
#ንቅሑ #ጸሎት #ራጉኤል
#መዝሙር #ሩፋኤል #ገብርኤል #ርኹስ #መንፈስ #ንቕሑ #Nkhu #ድንግል #ማርያም #ኣቡነ #ኣረጋዊ #ንቕሑ
#ጸሎት #ንስሓ #ቁርባን #ተዋሕዶይእቲ #tewahdo #ተዋህዶ #ተዋሕዶ #ኦርቶዶክስ #Eritrean #orthodox #mezmur #ገድሊ #ቅዱሳን #ገድለ #Eritreanorthodoxtewahdomezmur
#ንቁ #Tamirtsion #Nku