Рет қаралды 10,967
ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኵሓ ተወሊዳ ዓብያ። ወላዲታ ናይ ኣእምሮ ድሩትነት (ሕማም ኣእምሮ) ስለዘጋጠማ ኣብ ትሕቲ ሓትናኣ ዓብያ። ሓዳር ፈቲና ኣይተሳኸዐላን። ብድሕሪ'ዚ ህይወት ንምስዓርን ናብራ ንምምራሕን ናብ ዓፋር ከይዳ እንዳ ሻሂ ከፈተት። ፅቡቕ እናሰረሐት ከላ ፖለቲካዊት ትኩሳት ኣብ ዝተቐፃፀለሉ ግዘ ካብ መሬት ኤርትራ ዝመፁ ተዛረብቲ ዓፋርኛ ሸፋቱ ሰተይቲ መሲሎም ኣብ ገዝኣ ኣምሰዩ። ሰብ ምስከደ ገዛ ዓፅዮም ኣርባዕተ ኮይኖም ደፈርዋ። ድሕሪ ግዜ ጥንሲ ቋፂራ ናይ 9 ኣዋርሕ ነፍሰፆር ምስኮነት ኲናት 'ውን ምስተጋደደ ተጋሩ እናተኣረዩ ይርሸንሉ ኣብ ዝነበረ ቀጢን ወቕቲ እንደገና መፂኦም ዝቕተል ቀቲሎም ንዓኣ ከብዳ ክቐድዋ ፈተኑ። ከም ዕድል ኮይኑ ግን ኣብ ከብዳ ከይኮነስ ኣብ ከባቢ ሽምጣ ከቢድ መጉዳእቲ ኣብፂሖም ደርበይዋ። ኣብ ማእሰርቲ ወሊዳ፣ ብኸቢድ መከራ ሰጊራ መሬት ዓዳ ምስ ረገፀት እንሆ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኣብ ደማ ተሸኪማ ከርፋሕ ናብራ እናመረሐት ትርከብ። እዛ ሰኣን መሐከሚ ኣብ ከቢድ ስቓይ እትርከብ በዓልቲ ታሪኽ ዮርዳኖስ ኣሰፋ ትበሃል። ክትከታተሉ ዓደምናኩም።