Рет қаралды 1,175
Dehay Eritrea ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ሰልፊ ተቓውሞ 10 ሰባት ሞይቶም! ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ እቲ ትማሊ ኣብ ናይሮቢ ክካየድ ዝወዓለ ጎነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ተቓውሞታት "ገበነኛታት ዝተሓወስዎ'ዩ" ክብል ኣማስይኡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።
ገለ ካብቶም ተቓወምቲ ንትካላት መንግስቲ ምዕናዎም "ክድዓት" ምዃኑን ዘድሊ ግብረ መልሲ ከምዝወሃቦን ኣጠንቂቑ።
ቅዋም እታ ሃገር ብዝህቦ ሓላፍነት ከም መራሕ መንግስቲ ከምዝቕጽልን ሕጊን ስርዓትን ንምስፋን ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣፍሊጡ።
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
26 ሰነ 2024
ምንጪ ቢቢሲ ትግርኛ
ደሃይ ኤርትራ