Рет қаралды 5,657
Dehay Eritrea ኣርካናትና፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ረድኢ!
ቅድሚ 22 ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ዕለት፡ 18 መስከረም 2001 መንግስቲ ኤርትራ፡ ብመጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ ኣመሪካ ተጎልቢቡ፡ ነቶም ብሰላማዊ መገዲ ቅማዋዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል ዝሓተቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰውራን መንግስትን ጋዜጠኛታት ከካብ ቤቶም ብቓጻ ጨውዩ ዝሰወረላ ዕለት እያ። ነዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እተቐርጸ ናይ ጥልመት ፍጻሜ ክዝክር ብርዐይ መሰልዓልኩ ልበይ ብጓሂ ክስንጠቕ ይስመዓኒ።
ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽንኩር እዋን ንኤርትራ በጃ ዝኾኑዋ ኣርካናት መራሕቲ ሰውራን መንግስትን ውፉያት ላዕለዎት ካድራትን ተባዓት ጋዜጠኛታትን፡ ሰብኣዊ ሓርነቶም ተመንዚዖም ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣሲሮም ተሰዊሮም ኣለው። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ረድኢ እዩ። ደሃይ ኤርትራ ከኣ ንሎሚ ጽማቚ ዛንታኡ ነቕርብ ኣለና ምክትታልኩም ንዕድም!
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት (ዓካ ዓካ)
18 መስከረም 2023
ደሃይ ኤርትራ