Рет қаралды 93,676
ጸሎተ ፍትሓት ምእንቲ ሙታን ዝጽለ ክኸውን ከሎ ነዚ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ዝፍጸም ሥርዓት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ከም ዝኾነን እግዚአብሔር ንቤተክርስቲያን ዝሃባ ስልጣን ገደብ ዘይብሉ ክሳብ ሰማይ ዝቕጽል ከም ዝኾነ ንርድኣሉ ትምህርቲ እዩ። ናይ ሲኦል ደጌታት ኣይሕይልዋን እዮም ተባሂሉ ዝተነግረላ ቤተክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ሞትን ሲኦልን ሥልጣን ከም ዘልዋ ንፈልጠሉ ትምህርቲ እዩ።