No video

መዝሙር ዘመድኃኔኣለም

  Рет қаралды 333

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Күн бұрын

ጐይታናን ኣምላኽ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናባና ምምጻኡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ብሰንኪ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቕና ዘጥፋእናዮ ሰላም ክህበና (ክመልስ) ኢዩ።” ከምቲ ብህያው ቃሉ “ሰላም እሓድገልኩም ኣሎኹ፡ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፥ ኣይትሸበሩ፥ ኣይትፍርሑ።” (ዮሓ14፡27) ዚበሎ ኢዩ።
እዚ ሰላም እዚ ግና ብቐሊል ዋጋ ዚመጸ ወይ ድማ ብዘረባ(ቃል) ጥራይ ዝወሃብ ሰላም ኣይነበረን። ነቲ ከቢድ በደልና ክድምስስን ሰላምና ክመልስን (“ ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፥ ንስቓይና ውን ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፥ ንሱ ብሰሪ ገበንና ቆሰለ፥ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ…… “ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ”፥ ንሕና ውን ብስምብራቱ ሓዌና” ኢሳ 53፡4-) ብዙሕ መግረፍቲን መቕጻዕቲን፡ ውርደትን ስቓይን ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። ምእንቲ ሰላምና ብኢድ ፍጡራቱ ተጸፍዐ፡ ጡፍ ተባህለሉ፡ ብዙሕ ተላገጽሉ፡ ሸንከርዎን ሰቐልዎን ቀተልዎን። ከምቲ ሕሩየ ንዋይ (ሕሩይ ኣቕሓ) ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆላስዩስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ኣምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ገይሩ “ሰላም” ገበረ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኩሉ ከኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ”(ቆላ 1፡20) ዝበሎ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ንጹህን ክቡርን ደሙ ኣፍሲሱ “ነቲ ብሕጋጋት ዝቃወመናን ዚበኣሰናን ዚነበረ ብኢድ ዝተጻሕፈ ዕዳ ደምሰሶ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ካብ ማእከልና ኣርሓቖ”(ቆላ 2፡14) ሰላም ገበረልና። ከምቲ ኣብ ትንቢት “እዚ ኩሉ ምረት “ንሰላመይ” ኮነ”(ኢሳ 38፡17) ዝተባህለ እቲ ኩሉ ናይ ክርስቶስ ሽግር፡ መከራን፡ ሓሳርን ምስ ኩሉ ምረቱ ንሰላምና ኮነ። “ንሱ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ “ሰላምና’ ኢዩ”(ኤፌ 2፡14) ኣቦና ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኣብ ዚደረሶ ዉዳሴ ማርያም፥ ኣብ ናይ ዕለተ ዓርቢ ሙዳየ ዕፍረት ዝተባህለት ሕጥቦ ጽሑፍ ዘስፈሮ ቃል እውን “ወገብረ ሰላም ማእከሌነ በመስቀሉ ወበትንሳኤሁ ቅድስት” (ብመስቀሉን ብቅድስት ትንሳኤኡን ኣብ ማእከልና ሰላም ገበረ) ብምባል ነቲ ሰላም ብመከራ መስቀሉን ብቅድስት ትንሳኤኡን ኣብ ማእከልና ከም ዚገበሮ ይዛረብ። እወ መከራ መስቀል ብዘይ ትንሣኤ ሰላምና ምሉእ ኣይገብሮን ኢዩ። ስለዚ እቲ ብሥጋ ሞይቱ ብነፍሱ ግና ሕያው ኮይኑ በታ ሕያዊት ነፍሱ ነተን ኣብ ሲኦል ዝነበራ ነፍሳት ድሕነትን ብስራት ሰላምን ዝሰብኽ ዝነበረ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እሱራት ፈቲሑ፡ ምሩኻት ገፊፉ ናብ ገነት ኣስገሮም። ነቲ ዘማራይ ንጉሥ ዳዊት ኣብ ትንቢቱ “እግዚኣብሔር ንምሩኻት ጽዮን ምስ መለሶም ከም ሓለምቲ ነበርና፡ ሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ መልሓስና ከኣ ብዕልልታ መልኤ…….. እግዚኣብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና ንሕና ውን ተሓጎስና። መዝ 126፡1-” ዝበሎ ፈጸሞ። ሕይወቱ ኣብ ገዛእ ኢዱ ስለ ዚኾነትን ኣሕሊፉ ክህባን መሊሱ ድማ ክወስዳን ስልጣን ስለ ዘለዎን (“ኣነ ንሕይወተይ ኣሕሊፈ ዝህባ መሊሰ ውን ዝወስዳ ስለዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ ኢዩ። ባዕለይ ኢየ በጃ ኣሕሊፈ ዚህባ እምበር ካባይ ዝወስዳስ ሓደ እኳ የልቦን፡ በጃ ከሕልፋ መሊሰ ውን ክወስዳ ስልጣን ኣሎኒ…..ዮሓ 10፡17-18”) ከኣ ሥጋኡን ነፍሱን ኣዋሃሂዱ ከምቲ ትንቢት “ወተንሥአ እግዚኣብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፡ ወከመ ሓያል ወኅዳገ ወይነ ወቀተለ ጾሮ በድሕሬሁ (እግዚኣብሔር ከምቲ ካብ ድቃሱ ዝትንሥእ ሰብ ተንሥኤ፡ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥኤ…) ………መዝ78፡65” ሕይወት ኣብኡ ዝነበረትን (“ሕይወት ኣብኡ ነበረት” ዮሓ 1፡4)፡ ትንሳኤን ሕይወትን ዚኾነን ጐይታ (“ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ ኢየ …..” ዮሓ11፡25) እምኒ ኣልዕሉለይ፡ መቓብር ኪፈቱለይ፡ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ተንሢኡ “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን”(ዮሓ 20፡19) ዝብል ድምጺ ሰላም ኣስምዓና። እቲ ንዘመናት ጠፊኡ ዝነበረ ውሽጣዊ ናይ ነፍሲ ሰላም መለሰልና። እወ ክርስቶስ ካብ ምውታት ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ተንሢኡ ንሰይጣን ኣሲሩ ንኣዳም ኣግዓዞ፡ ሰላም ካብ ሕጂ ንድሓር ፍስሓን ሰላምን ኮይኑ እናበልና እናተባራረና ክንጭድር በቒዕና።

Пікірлер
ብምንታይ ደስ ከብለካ ጎይታይ /ortodox tewahdo mezmur by zemari bereket tikue
7:13
ወዲ ህያው ኣምላኽ ቀያሪ ታሪኸይ
Рет қаралды 231 М.
Prank vs Prank #shorts
00:28
Mr DegrEE
Рет қаралды 11 МЛН
王子原来是假正经#艾莎
00:39
在逃的公主
Рет қаралды 19 МЛН
Meet the one boy from the Ronaldo edit in India
00:30
Younes Zarou
Рет қаралды 20 МЛН
DSQMU: ናይ ሕብረት መዝሙር ኣብ መመረቕታ በገና ዝተዘመረ መዛሙር።
31:53
ደብረ ሳህል Kidus Michael Utrecht
Рет қаралды 164 М.
አለምን ያስደመመው ዝማሬያችን.....አንድ  ሚሊየን እይታ የሚገባዉ
1:09:23
ኣደ ሩፍታይ|| ምሉእ ኣልበም. ADE RUFTAY WHOLE ALBUM.
1:19:22
KABATRANOS TV
Рет қаралды 1,1 МЛН
ያሬድ ፈልፈለ ማህሌት ልብን የሚያረሰርስ ያሬዳዊ መዝሙር
9:58
ቤተ-ጊዮርጊስ- Bete Georgis
Рет қаралды 132 М.
Prank vs Prank #shorts
00:28
Mr DegrEE
Рет қаралды 11 МЛН