Рет қаралды 9,749
መሬት ሓውዜን ካብ ዘፍረየቶም ሰገናት ሓንቲ እያ። ከም ኩሉ ትግራዋይ ህፃን ሓመድን ጭቃን ተፃዊታ ዓብያ ከይፀገበት ግን ኩነታት ኣርኪቡ። ወገናታ ብኣልማሚት እንትጭፍጨፉ፣ መሰታኣ ብዕስለ እንትድፈራ፣ ዓዳን ዓውዳን እንትውረራ ርእያ ልባ ይነድድ ስለዝነበረ ሰራዊት ትግራይ መቐለ እንትቆፃፀር ንሳ ውን ኣብ መቐለ ተፀብያ ገና ብዕሸላ ሓቢራቶም ገስገሰት። ብዙሕ ውፃእ ውረድ ኣሕሊፋ፣ ኣብ ዘይወንወነ ኣካላ ዓቕማ ዝፈቐዶ ጅግንነት ፈፂማ፣ ክሳብ ጫፍ ማእኸል ዓዲ ብወነ ገስጊሳ ታሪኽ ዘይርሰዖ ቅያ ኣመዝገበት። ኣብ ማልሳ ግን ምስ ብፆታ ብመኪና ተፃዒና እናተመለሰት ከላ ደብዳብ ድሮን ስለዘጋጠመ ካብ ብሱላት ጥረ ኮይና ተረፈት። ግን ክልተ ኣእጋራ ለሚሱ ህይወታን ተስፋኣን ዘፀልምት ኩነታት ኣጋጠመ። ካብኡኸ? ዘደምም ታሪኽ ጓል 20 ዓመት ሰገን ሜላት ኪዳይ ክትከታተልዎ ዓዲምና ኣለና። ሰናይ ግዘ።
ክትረኽብዋን ክትሕግዝዋን እትደልዩ፦
ቁፅሪ ስልኪ +251985166235
ሒሳብ ባንኪ 1008713030101 (ባንኪ ወጋገን)