Рет қаралды 27,650
“ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ኮነ። ኣደ ኢየሱስ ከኣ ኣብኡ ነበረት።”(ዮሓ 2:1)። ካብ ዝብል ቃል ዝተወስደ ኣርእስቲ ትምህርቲ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ናይ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላክ ከም ዝኾነት፣ ዘለዓለማዊ ድንግልንኣ፣ ካብ ፍጡራን ንላዕሊ ካብ ፍጣሪ ንታኅቲ ክብሪ ከም ዝተዋህባ፣ ቅድሚ ፍጥረት ኣብ መንግሥተ ሰማያት ኣብ የማን ዋዳ ብክብሪ ከም ዝተቐመጠት ዝገልጽ ክኸውን ከሎ ብተወሳኺ ውን እቲ ንሳ ዝወለደቶ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ንፍጥረታት ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ከም ዝመጹ ዝገበረ ናይ እግዚአብሔር አብ ናይ ባሕሪይ ወዱ ዝኾነ ድኅሪ ዘመናት ካብ ድንግል ብድንግልና ተጸኒሱ ብድንግልና ከም ዝተወልደ ንመሃረሉ ትምህርቲ እዩ።