Рет қаралды 3,655
Dehay Eritrea ዓውደ ዘተ ምኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ እንታይ እዩ ዕላምኡ?
ምኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ወጻእተኛታት ምሁራት ዓዲሙ “ክብርታትን ፍትሕን” ብዘብል ቴማ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ናይ ክልተ መዓልታት ዓውደ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ።
ዕላማ ናይቲ ዘተ፡ ዘቤታዊ ኣህጕራውን ተመኩሮታት ምስ ክብርታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘጣምርን ስርዓተ ፍትሒ ንምርግጋጽ ከምዝዀነ ምኒስተር ፎዝያ ሓሺም ሓቢራ።
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ነቶም ኣብ ነዋሕ ናይ ምንብባር ዘመናት ዝማዕበሉ ሃገራዊ ክብርታትኣብ ስርዓተ ፍትሒ ኤርትራ ንምጽንባርን ንምንጽብራቕን ከምዝዀነ ኣረዲኣ። ይኹን እምበር እቶም መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ከቕርቡ ዝተዓደሙ ፕሮፌሰራት ኤርትራ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ርእሰ ምርኰሳን ዝተሃንጸ ጉዕዞ ሃገራዊ ህንጸት ተሰላስል ከምዘላ፤ ኣብ ኤርትራ ዲክታተርያዊ መንግስቲ ዘይኮነ ኣብ ክብርታቱ ዝምርኰስ ተዓጻጻፊ መንግስቲ ከምዘሎ፤ ብሓፈሽኡ ንመንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝውድስን ዘሞጉስን መደረታት ኣቕሪቦም። ዶር መብራህቱ ኣተወ ብርሃንን ሓው ሰንጋል ወልደንሰአን እምበኣር ነቲ ዓውደ ዘተ ገምጊሞሞ ኣለው ምክትታልኩም ንዕድም!
ኣዳላውን ኣቕራብን ሳሙኤል ገብረሂወት ( ዓካ ዓካ)
16 ግንቦት 2024
1ይ ክፋል
ደሃይ ኤርትራ