No video

ገድሊ(ታሪኽ)ቅዱስ ባስልዮስ ሊቀ ጳጳስ ዘቂሳርያ! 6 ጥሪ ዓለዕረፍቱ እዩ።ጸሎቱን በርኸቱን ናይ ቅዱስ ኣቦና ምስ ኲልና ሕዝቢ ክርስትያን ይኹን

  Рет қаралды 213

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Күн бұрын

ባስልዮስ ማለት ማኅቶት ቤተክርስቲያን ማለት እዩ።" ወሀለውዎ (5) ኣኃው" ይብሎ። ኃሙሽተ ኣኅዋት ነበርዎ ኣቡኦም "ኤስድሮስ" ፥ ኣዲኦም "ኤመልያ" ይብሃሉ። ሃገሩ ኣንጾክያ እዩ፥ ዓቢ ካህን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ማለት (4) ኣወዳት፥ (1) ጓል ኢዮም ።
ኣስማቶም ድማ:-
1. ቅዱስ ባስልዮስ ሊቀ ጳጳስ ዘቂሳርያ
2. ቅዱስ ጎርጎርዮስ እኅወ ባስልዮስ ዘኑሲስ
3.ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ዘኤፌሶን
4.ቅዱስ መካርዮን ካህን
5.ቅድስት መካሪና ይበሃሉ።
ቅዱስ ባስልዮስ ናይ ቂሳርያ ሊቀ ጳጳሳት
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ናይ ኑሲስ ኤጲስቆጶስ
ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኤፌሶን ጳጳስ ዝተሾሙ
ቅዱስ መካርዮን ከኣ ንጹሕ ድንግል ምሉእ መዓርገ ቅድስና ዘለዎ ግን ኣይተሸመን ፡
ቅድስት መካሪና ከኣ ብድንግልናን ሰማዕትናን ዝሓለፈት፥ ዓባይ ኣደ እያ ታሪኻ ኣብ ምዕራፍ 5 ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ።
ቅዱስ ባስልዮስ ተሸይሙ ከሎ ብዙሕ መጻሕፍቲ ጽሒፉ ፥ብዙሕ ድርሰታት ደሪሱ፥ ብዙሕ ተኣምራት ከኣ ጌሩ፥ ኣብዚ ካብቲ ዝገበሮ ተኣምራት ብዛዕባ እተን 7 ይነግር።
1ይ ሓዉ ጴጥሮስ ሰበይቲ ተመርዕዩ ግን መላኣክ እግዚኣብሔር ብኣክናፉ እናሓለዎም፥ልክዕ ከም እንዳ ድሜጥሮስ ኮይኖም እናነበሩ ከለዉ፥ እቶም ሕዝቢ ምስ ሓመይዎ፥ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጸልዩ ከም ዝግለጾምን ከምዝርድኦምን ገበረ።
2ይ ኣብቲ ዘመን'ቲ ብዓለውቲ ነገሥታት ተዓጽያ ዝነበረት ቤተክርስትያን ጸልዩ ከም እትክፈት ገበረ
3ይ ሓደ ካህን ሰበይቱ ለምጻም ዝኮነት ተሓቢኡ ርክብ ይፍጽም ምስ ነበረ፥ እቲ ሕማም ለገቦ እሞ፡ ሽዑ ቅዱስ ባስልዮስ ጸልዩ ፈወሶም።
4ይ ሓደ ፈላስፋ ንቅዱስ ባስልዮስ ኣብ ግዜ ሕማሙ ክበጽሖ መጽአ፥ ዝተዛረቦ ዘረባ ከኣ ጥብ ዘይብል እዩ ኔሩ፥
ስለ'ዚ ባስልዮስ እስከ ዕለት ሞተይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ከኣ ሎሚ መዓሊቲ ክትመውት ኢካ ኢልዎ ከሎ እንድሕሪ ዘይሞይተ ግን ብሃይማኖተይ'ዶ ትኣምን ኢሉ ቃል ኣእተዎ'ም ጸልዩ ድሕሪ 3 መዓልቲ ከም ዝመውት ገበረ። ሽዑ እቲ ፈላስፋ ንሱን ቤተሰቡን ብክርስቶስ ኣሚኖም ተጠመቑ።
5ይ ታሪክ ቅዱስ ኤፍሬምን ቅዱስ ባስልዮስን ብዛዕባ እታ ጓል ንጉሥ ኃጢኣታ እትጽሕፍ ዝነበረት ካብ ኣንድምታ
ውዳሴ ማርያም ናይ ሰኑይ ተጠቐመ።
6ይ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ዓፀደ ቤተክርስቲያን እናጸለየ እንከሎ" ኤፍሬም ኤፍሬም" ኢሉ ኣጸውዖ፥ቋንቋታቶም
ብጸሎት ተገላለጹ፥ ከዕልሉ'ውን ሓደሩ። ኣብ ገጽ 111 ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ብሰፊሕ ተጻሒፉ ኣሎ።
7ይ ሓደ ባርያ ኣብ እንዳ ንጉሥ ዝሰርሕ፥ ንጓል ንጉሥ ይብህጋ፥ ክሳብ ናብ ጠንቛሊ ከይዱ ነዛ ጓል ደልየያ እየ እሞ ሠሪካ ነዓይ ከም እትፍቅር ግበረለይ በሎ። በል ስም ክሕደትካ ጽሒፍካ ሃበኒ በሎ፥ ጽሒፉ ሃቦ። ኣብ ናይ ኣረሚን መቓብር ኬድካ፥ ገጽካ ንምዕራብ ጠሚትካ ኮፍ በል። ካብ ሕጂ ንንየው ስም ኣግዚኣብሔር ከይትጽውዕ፥ ገጽካ ከይተማዕትብ ኢልዎ ከይዱ ከምታ ዝበሎ ንምዕራብ ገጹ ኣብታ መቓብር ኣረሚን ተቐመጠ።
ካብ ሰይጣውንቲ ሓደ መጺኡ ኣጆካ ዝደለካዮ ክንገብረልካ ኢና ኪድ በሎ።
ተመሊሱ ናብ'ቲ ሰራዪ ከደ። እንቋዕ ደሓን መጻእካ፥ እሂ እንታይ ሰሚዕካ በሎ።
ዝተገበረለይ ነገር የለን ግን ሓደ ጸሊም መጺኡ ነታ ዝሃብካኒ ደበዳቤ ተቐቢሉኒ፥ ኣጆካ ድሌትካ ክንፍጽመልካ ኢና" በለኒ በሎ።
እቲ ሰይጣን ኣብታ ጓል ሓዲሩ ልባ ብፍቕሪ እቲ ባርያ ልባ ኣቃጸላ። ክሳብ ኬድኪ ሕዝዮ ዝብላ ውን ኮነ። ንወለዳ ከይሓፈረት ከተመርዕዉኒ ከለኩም ነዚ ኢኩም እተመርዕዉኒ በለቶም። ንሳቶም ንስኪ ጓል ንጉሥ ንሱ ባርያ ፥ስለምንታይ እንተበልዋ እሞ ኣነ ፈትየዮ ኣለኩ በለቶም። ብዝሓበረቶም መሠረት ኣመርዓውዋ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሓዳር ጸንሐት። ድሓር ግን እንታይ ኮይነ እየ ናብ ባርያ ዝተመርዓኩ ኢላ ጠርጢራ፥ ቤተክርስቲያን እባ ንኪድ በለቶ። ንስኪ ኪዲ ኣነ ካልእ መዓልቲ ክከይድ እየ ይብላ። ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ንቀበል ትብሎ ንስኪ ተቐበሊ ኣነ ካልእ መዓልቲ ክቕበል እየ ይብላ። ስለምንታይ ኢካ ከምዚ እትብለኒ በለቶ.
ንግዚኡ ሰዊሩላ ዝነበረ ድሓር ግን ኣጸቢቓ ብሕቶ ምስ ኣጨነቐቶ ኩሉ ዝገብሮ ካብ መጀመርታ ክሳብ መፈጸምታ ነገራ።
ሽዑ ከይዳ ንቅዱስ ባስልዮስ ነገረቶ፥ ቅዱስ ባስልዮስ ሒዝክዮ ምጽኢ በላ።ሒዛቶ መጽአት፥ እስከ ንገረኒ በሎ ከየትረፈ ኩሉ ነገሮ። ቅዱስ ባስልዮስ ካኣ ክትድሕን ትደሊ ዲካ በሎ፥ ክድሕን ምፈተኩ እቲ ናይ ክሕደተይ ደብዳቤ እቲ ሰይጣን ወሲዱዎ ከሎ ከመይ ጌሩ ክምለስ እምበር እወ ክድሕን ምፈተኩ በለ። ኣጆካ ኣምላክ ፈታዊ ንስሓ እዩ፥ ጽናዕ ጨክን ኢሉ፥ ኣብ ሓደ ጸልማት ገዛ የእትዩ ኣብ ሣልስቲ ምግቡ እናሃበ ከመይ ኢልካ ቀኒካ በሎ።
+ ኣብ ቀዳማይን ሳልስቲ እቲ ደብዳቤ እናአርእዩ ናበይ ገደፍካና ክትከይድ ኢካ እናበሉ ከትኪቶሙኒ መከራ በርቲዑኒ ኣሎ በሎ።
+ ኣብ ሻዱሻይ መዓልቲ ከይዱ ከመይ ቀኒካ እንተበሎ ሎሚ እቲ ምክትካት ቁሩብ ዕግስ ኢሎም በሎ።
+ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ ከመይ ኣሎካ እንተበሎ ሎምስ ንክወጽኡ ቁሩብ ተሪፉዎም ኣብቲ ጥቓ ማዕጾ በጺሖም በሎ
+ ኣብ መበል ዓሰርተ ክልተ 12 መዓልቲ ከይዱ ከመይ ኢልካ ቀኒካ በሎ ሎሚስ ካብዚ ቤት ወጺኦም፥ በሎ።
+ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ 15 መዓልቲ፡ ከይዱ ከመይ ኢልካ ቀኒካ እንተበሎ ሎሚስ ቁሩብ ርሕቕ ኢሎም ኢልዎ፥ ድምጾም ደኣ እምበር ኣካሎምስ ኣይርእዮምን።
+ እናበለ ን40 መዓልቲ ምስ ኣኸለ ከይዱ ከመይ ኢልካ ኣሎካ እንተበሎ ምሳካ ኪቃለስ ንስካ ሓፍ ኣቢልካ ፈጠቕ ከተብሎ ርእየ በሎ።
በል እግዚኣብሔር ኃጢኣትካ ይቕረ ኢሉልካ እዩ ኢሉ ካብኡ ኣውጺኡ ካህናትን መነኮሳትን ኣኪቡ (400) እግዚኦታ ኣብጽሑ። ኣብዚ እዋን እዚ ባስልዮስ ስቕ ኢልካ ኣይትሸግረኒ ዕረፍ፥ ኣይተጨንቐኒ፥ ዕረፍ" ኢሉ እናረኣዮ መጺኡ ነታ ደብዳቤ ንቅዱስ ባስልዮስ ደርበየሉ።
+ በዛቲ ዕለት ገብረ እግዚኣብሔር በእደ ባስልዮስ መንክረ፥ በፍቅሪ ኣሐቲ ወልት ኅበ መሠርይ ዘሖረ፥ እንዘ ያርኢ በቅድመ ሕዝብ መጽሓፈ ክህደቱ ሥዉረ፥ እምእደ ሰይጣን ኣንገፈ ወጹወወ ገብረ።
ቅዱስ ባስልዮስ ተሸይሙ እንከሎ ብዙሕ ጽሒፉ ብዙሕ'ውን ደረሱ፥ ንኣብነት ፥ መጽሓፈ ቅዱስ ዘባስልዮስ ኣቅራቢኡ ባዕሉ ቅዱስ ባስልዮስ እዩ።
+ዕለተ ዕረፍቱ ድማ ጥሪ ዕለት 6 እዩ።
ጸሎቱን በርከቱን ምስ ኲልና ሕዝቢ ክርስትያን ይኩን ኣሜን።
+ ሥዕለ ኣሐቲ ብእሲት አመ ባስልዮስ ተውክፈ። ደምሰሰ በሕይውቱ ዘኃጣውኢሃ መጽሓፍ። ድኅረ ሞቱስ ኣሐደ ዘተርፈ" ከም ዝበለ ደራሲ ስንክሳር
እዚ ቅዳሴ ናይ ቅዱስ ባስልዮስ ዝቕደሰሎም ዕለታት ተዝካረ (ሊቃውንት) ሊቃነ ጳጳሳት፥ ካህናት-ነገሥት፥
ዕለት 6 ጥሪ ዕረፍቱ ከምዝኮነ ይገልጽዎ
ምንጪ:- እንድምታ ቅዱሴኡ
ስንክሳር ዕለት 6 ኅዳርን፥ ስንክሳር ዕለት 13 መስክረምን

Пікірлер: 2
@tsegatesfahanes7325
@tsegatesfahanes7325 7 ай бұрын
ቃል ሂወት የስምዓልና ጸግኡ የብዝሓልኪ 🙏🙏🙏
@temesgenkifle2073
@temesgenkifle2073 7 ай бұрын
Kale hiwot yesemealena
а ты любишь париться?
00:41
KATYA KLON LIFE
Рет қаралды 3,7 МЛН
Joker can't swim!#joker #shorts
00:46
Untitled Joker
Рет қаралды 41 МЛН
Ik Heb Aardbeien Gemaakt Van Kip🍓🐔😋
00:41
Cool Tool SHORTS Netherlands
Рет қаралды 9 МЛН
אמהרית - פרשת עקב תשפ"ד | ፓራሻት ኤኬቭ
46:58
ידידיה אלנה |የዲዲያ አለነ
Рет қаралды 1,3 М.
ታሪኽ ቅዱሳን ፡ ገድሊ ሐዋርያን ወንጌላዊ  ቅዱስ  ዮሐንስ ወልደ ዘብዴዎስ
18:31
ቃለ ጽድቅ ዘተዋሕዶ Eritrean Orthodox Tewahdo Diocese
Рет қаралды 4,8 М.
የቅዱስ ባስሊዮስ አስገራሚ ታሪክ! Ethiopia @AxumTube
11:06
Axum Tube / አክሱም ቲዩብ
Рет қаралды 2,1 М.
ንሳጥናኤል ዘናዘዘት ቅድስት ሳማእት መሪና
12:05
Bemnet Nkhu ብእምነት ንቅሑ
Рет қаралды 50 М.