No video

5 መጋቢትዕረፍቲ ጻድቕ ርእሰ ባሕታውያን ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ተጋድሎኡ ፈጺሙ ዓረፍሉ ዕለት ኢዩ።ንጻድቃን ሞቶም ሕይወቶ እዩ።

  Рет қаралды 4,824

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Күн бұрын

ርእሰ ባሕታውያን - ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
ስምዖን ወአቅሌስያ እለ ነበሩ በንሂሳ፡ በኀጢአ ውሉድ በከየ መጠነ ዓመታት ሠለሳ፡ ሥሉስ ቅዱስ ሶበ ነፍሑ በውስተ ከርሣ፡ ተወልደ እምኔሆሙ ቀናዬ አናብስት ስሳ፡ በኀይለ ኣምላኩ ዘይሠሪ አበሳ።
ርእሰ ባሕታውያን ብምባል ዝፍለጥ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ን30 ዓመታት ዝኣክል መኻናት ካብ ዝነበሩ ኣቡኡ ስምዖንን ኣዲኡ ኣቅሌስያን ኣብ ላዕላይ ግብጺ ንሂሳ ኣብ ዚብሃል ቦታ ተወልደ። ወለዱ ንእግዚኣብሔር ውላድ ንኺህቦም ለይትን መዓልትን ተስፋ ብዘይ ምቝራጽ ምስ ለመንዎ እቲ ንዝለመንዎ ኣዝዩ ቐረባ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዓቢይ ውላድ ሃቦም።
ምስ ተወልደ ድማ “ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ለዘአውፃእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን/ ምስጋና ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውፃእካኒ” እናበሉ ኣመስገነ። ሽዑ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ተገሊጹ “ናይዚ ቘልዓ ስም ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኢልኩም ስመይዎ” ኢልዎም ተሠወረ። እዚ ቘልዓ እዚ ከም ኵሎም ሕፃናትኣዲኡ ኣይሓቘፈቶን ጡብ ኣይጠበወን። ብኸምዚ ንሠለስተ ዓመት ምስ ወለዱ ተቐመጠ።
ወዲ ሠለስተ ዓመት ምስ ኮነ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ሰማይ ኣዕረጎ። ኣብኡ ድማ ብኢድ እግዚኣብሔርን ቅዱሳኑን ምስ ተባረኸ ናብ ገዳም ኖብ እትብሃል ገዳም ኣብ ኣፍደገ ኣቐመጦ። ናብ ኣባ ዘመደ ብርሃን ኣበምኔት ገዳም ኣትዩ፡ “ዓቢይ ጋሻ ሕፃን ሎሚ ኣብ ኣፍደገኻ ኾፍ ኢሉ ኽትረኽቦ ኢኻ። ኣእቲኻ ብኽብሪ እናመሃርካ ኣዕበዮ” በሎ። ኣባ ዘመደ ብርሃን እውን ከም ዝተኣዘዞ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ ዅሉ ሥርዓት ቤተ ክርቲያንን ዳዊትን ብሉያትን ሓዲሳትን መሃሮ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ እግዚአብሔር ንዅሉ ብሓፂር ጊዜ ኣጽፊፉ ተማህረ።
ኣባ ዘመደ ብርሃን ከኣ ትሕትንኡን ትምህርቱን ርእዩ ናብ ኣባ ኣብርሃም ጳጳስ እቲ ጊዜ ወሲዱ መዓረገ ኽህነት ከም ዚቕባእ ገበረ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ለይቲ ይኹን ቀትሪ መንፈስዊ ዕዮኡ ብትሕትናን ብትግሃትን ይሠርሕ ነበረ።
ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሰብ ዚሠርሖ ኽዳን ኣይተኸድነን። ክዳኑ እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ኻብ ሰብነቱ ዝበቘለ ፀጕሪ ይኽደን ነበረ እምበር ብኢድ ሰብ ዝተሠርሐ ኽዳን ኣይተኸድነን።
ሓደ መዓልቲ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ኣብነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ መጺኡ፡ “ኸምቲ ቕድም ናብ ሰማይ ዘዕረግኩኻ ንዓ ሕጂ’ውን ናብ ሰማይ ከዕርገካ እየ” በሎ። ብኽንፉ ሓቝፉ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣቕረቦ። ጐይታ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ባረኾ ፡ “ብጸሎትካ ብዙኃት ነፍሳት ስለዝድኅኑ ኻብ ሰባት ተፈሊኻ ንበር። ብጸሎትካ ዕዉራን ፡ ሓንካሳን ኪፍወሱ እዮም እሞ ንበረኻ ኺድ ምስ ኣናብስቲን ኣናብርቲን ንበር" በሎ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ብዝሓቦ ጸባ 60 ኣናብስቲ ቐቅድሚኡ 60 ኣንናብርቲ ደድኅሪኡ ዝስዕቡዎ ርጋጽ እግሩ እናአመገቡ ዝነብሩ ነበሩዎ።
ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግርማ ለይቲ፡ ድምጺ ኣራዊት፡ ተዓጊሡ ኣብ በረኻታት ግብጽን ሱዳንን እናተዘዋወረ ዝተፈላለየ ተኣምራት እናገበረ ን300 ዓመታት ምስ ተቐመጠ፡ ብፍቓድ እግዚአብሄር ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ እናተመርሐ ናብ ሃገረ ኣግኣዚት መጽአ። ብመጀመርታ ኣኽሱም በጽሐ። ድኅሪኡ ናብ ላስታ (ደብረ ሮሓ) ኸደ። ድኅሪኡ’ውን ጕዕዞኡ ብምቕጻል ናብ “ምድረ ከብድ” ዝተባህለ ቦታ ብምብጻሕ ናብ “ዝቋላ” ኣምርሐ። ኣብዚ ቦታ እዚ ብጾምን ጸሎትን ብምስጋናን እናነበረ ኸሎ ኣብቲ ኸባቢ ዚቕመጥ ሕዝቢ ብኃጢኣት ከም ዝተሰናኸለ ተገልጸሉ።
ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እቶም ሕዝቢ ኻብ ኃጢኣቶም ኪምለሱ ጸለየ። ከምቲ ነቢይ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኹ ምእንቲ ሕዝቡ “ኦ እግዚኣብሔር ስለምንታይ ኰሬካ ፧ ኩራኻ ኣብዚ ብዓቢይ ኃይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውፃእካዮ ሕዝብኻ ስለምንታይ ዚነድድ፧ ስለምንታይ’ከ ግብጻውያን “ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኸጽንቶም፡ ንጥፍኣት እዚ ዚመጽኦም’ ኢሎም ዚዛረቡ፧ ኻብቲ ነዳዲ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ። ነቲ ንሕዝብኻ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ኽፉእ ድማ ተጠዓሰሉ . . .” ዘፀ. 32፡11-14 እናበለ ዝተማህለሎ ብምዝካር ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ቐላይ ጠጠው ብምባል ን40 መዓልትን 40 ለይትን ናብ ፈጣሪኡ ምስ ጸለየ። “ስምካ ጸዊዑ ዝለመነኒ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን እህበካ ኣሎኹ ። የኣኽለካ ኻብ ባሕሪ ውፃእ” ዝብል ቃል መጽኦ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና መሊሱ ን100 ዓመት ብርእሱ ንቁልቁል ተደፊኡ “ነቶም ኵሎም ብስምካ ዝኣምኑ ሕዝቢ ምሓረለይ ክወፅእ” ብምባል ዝተፈላለየ ፈተናታት ኣጋንንቲ ተጻዊሩ ድኅሪ ምስዓሩ፡ ጐይታ መጺኡ “ብልማኖኻ ብኣምላኽነተይን ኣሚኑ ብስምካ ንቤተ ክርስቲያን ዕጣን፡ ሽምዓ፡ መባእ ዝሃበ ፡ ቤተክርስቲያን ዝሠርሐ ኽምሕረልካ እየ” በሎ። ሽዑ ኻብቲ ቝልቍል ኣፉ ኾይኑ ዝነበሮ ወፅአ።
ብድኅሪኡ’ውን ን 100 ዓመት ዝኣክል ምስ ሰይጣን ንሱ ብመብረቕ፡ ሰይጣን ብዅናት ተዋግኡ። እቲ ጻድቕ ኣብ መዓልቲ 1000 ኣጋንንቲ እናቐተለ በዚ ናይ 100 ዓመት ኵናት እቲ ጎቦ እናተፈርከሸ ኻብቲ ዝነበሮ ንውኃት ቀነሰ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ጎቦ ዝብሃል ዝነበረ፡” እዚ ደኣ እንታይ ጎቦ ኾይኑ ደይ ቆላ እዩ” ተባህለ። በዚ ምኽንያት ናይቲ ቦታ ስም ክሳብ ሎሚ “ዝቋላ” እናተባህለ ይጽዋዕ። ካብ ሰባት መብረቕ ዝተዋህቦ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ካብ መላእኽቲ ድማ ቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ።
ብድኅር እዚ ናብ ምድረ ከብድ ኸይዱ ንሾብዓተ ዓመት ካብ ፀሓይን ማይን ኣብ ዘይትኽወለሉ ጎልጎል ተቐመጠ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኸም ዓንዲ ጠጠው ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ እናጸለየ ኸሎ ዅሉ ጊዜ ሰይጣን ርጉም ከም ምዃኑ መጠን፡ ኳዅ ተመሲሉ “ ማይ ጸሚአ ኣስትየኒ” ይብሎ። ንሱ ለዋህ ስለ ዝኾነ ዓይኑ ናብኣ ጠሚቱ ነታ ዃዅ “እንኪ ስተዪ” በላ። ንሳ ኸኣ ኽልቲኤን ኣዕይንቱ ኣውፂኣ ሰተየተን። ኵሉ ጽድቂ ብትዕግሥቲ እዩ ዚመጽእ ብምባል ንኽልተ ቕነ ዚኣክል ክልቲኤን ኣዕይንቱ ነቝረን ከለዋ፡ ተስፋ ኸይቘረጸ ጸሎቱን ጾሙን ቀጸለ። ድኅር’ዚ መላእኽቲ ቕዱስ ሚካኤልን ቕዱስ ገብርኤል መጺኦም ነተን ዝጠፍኣ ኣዕይንቱ ኡፍ በልሉ እሞ ኸም ቀደመን ተመልሳሉ። ንሱ ድማ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ።
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ምድረ ከብድ ንቝሩብ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሕ ናብተን ኣብ ኢየሩሳሌም ዚርከባ ቕዱሳን መካናት ሠለስተ ጊዜ ተመላሊሱ ተሳሊሙ መጋቢት 27 ቅዳሴ ቐዲሱ መሥዋዕቲ ኣዕረገ።
ናይ ዓይኒ ፈተነ ምስ ገጠሞ እግዚኣብሔር ንቕዱስ ሚካኤልን ቕዱስ ገብርኤልን መላእኽቲ ለኣኸሉ። እቶም ቕዱሳን መላእኽቲ ድማ “ንጸላእትኻ ምእንቲ ኽትሥዕሮም ናብ “ገዳመ ዝቋላ ኺድ” ኢሎምዎ ተሠወሩ። ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ካብ ምድረ ከብድ ናብ ገዳም ዝቋላ ኸደ። ኣብ ጥቓ መንበረ ማርያም ምስ በጽሐ ሥላሴ ብኣምሳል ሠለስተ ሽማግለታት ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሎም ረኸቦም። ስለ እቲ ጽቡቕ ትሩፋቱ ኸኣ ናይ ሥላሴ ሠለስትነትን ሓድነትን ኣብ ዝቋላ ተገልጸሉ። በብሓደ ንሠለስቲኦም ብዝባኑ ተሰኪሙ ንሓደ ምእራፍ ኣፋነዎም። በዚ ምኽንያት እዩ ኣብ መልከዐ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ “አብ በዘባኑ፡ ወልድ በዘባኑ፡ መንፈስ ቅዱስ በዘባኑ፡ ዘሐዘልዎ በኪዳኑ፡ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሠለስተ ገጻተ ዘይዜኑ” ዝብል።
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብሓፈሻ ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ን262 ዓመታት ዝሓመሙ እናኣሕወየ ዝሞቱ እናኣተንሥአ ኣዝዩ ዘደንቕ ተኣምራት ገበረ። ኣብዚ ናይ 562 ዓመት ዕድሜኡ ብዙኅ መከራን ፈተና ሰይጣንን ተዓጊሡ ኻብ እግዚኣብሔር ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ብ 5 መጋቢት ተጋድሎኡ ፈጺሙ ዓረፈ። “ሞቶሙሰ ለጻድቃን ሕይወቶሙ ውእቱ/ ንጻድቃን ሞቶም ሕይወቶ እዩ።” ከም ዝተባህለ ቕዱሳን መላእኽቲ ንነፍሱ ተቐቢሎም ኣብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣዕረፍዋ”
“ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ፡ ዘይጠፍእ ዘለዓለማዊ ስም ከኣ ኽህቦም እየ።” ኢሳ 56፡-5ጸሎቱ ወበረከቱ ይኩን ምስለ ኵልነ ሕዝበ ክርስቲያን!ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። አሜን !

Пікірлер: 3
@briktiwelday9027
@briktiwelday9027 5 ай бұрын
ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃል ሂወት የስማዓልና በረኸት ናይ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ይሕደረና
@mengedi-hiwet
@mengedi-hiwet 5 ай бұрын
ሰላም ለዝክረ ስምከ ዘኆኅያቲሁ ቅሩፅ፤ ኀበ ዐምደ ብርሃን ትኩል ወአኮ በዕፅ፤ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኀያል ሰዋቄ ትንቱናን እምዳኀፅ፤ ለዝክረ ስምከ ሠናየ ዜና ወድምፅ፤ ትሴብሕ ኢትዮጵያ (ምድረኤርትራ )ወትዜምር 🙏🙏🙏
@berhedebessai6727
@berhedebessai6727 5 ай бұрын
Amen amen amen berketom mskulatna yikun
娜美这是在浪费食物 #路飞#海贼王
00:20
路飞与唐舞桐
Рет қаралды 7 МЛН
Ik Heb Aardbeien Gemaakt Van Kip🍓🐔😋
00:41
Cool Tool SHORTS Netherlands
Рет қаралды 9 МЛН
❌Разве такое возможно? #story
01:00
Кэри Найс
Рет қаралды 4,1 МЛН
Whoa
01:00
Justin Flom
Рет қаралды 51 МЛН
አለምን ያስደመመው ዝማሬያችን.....አንድ  ሚሊየን እይታ የሚገባዉ
1:09:23
אמהרית - פרשת עקב תשפ"ד | ፓራሻት ኤኬቭ
46:58
ידידיה אלנה |የዲዲያ አለነ
Рет қаралды 1,3 М.
ካብ ሓሰውቲ ነብያት ተጠንቀቑ ብ ዲ/ን አስመላሽ ገ/ሕይወት
29:38
ተዋህዶ ይእቲ Tewahedo Yeti
Рет қаралды 23 М.
娜美这是在浪费食物 #路飞#海贼王
00:20
路飞与唐舞桐
Рет қаралды 7 МЛН