No video

17 ጥሪ ባዓለ ዕረፍቶም ንቅዱሳን መክሶሞስን ዱማቴዎስን ኢዩ ጸሎቶምን በረኸቶምን ረዲኤቶምን ኣይፈለየና!

  Рет қаралды 208

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Tesfalem Asefaw ኣሰር ቅዱሳን ሊቃውንት

Күн бұрын

17 ጥሪ ዓመታዊ በዓሎም ንቅዱሳን ማክሲሞስ ዱማቴዎስ
ቅዱሳን አሕዋት መክሲሞስ ወ ዱማቴዎስ ጥሪ 17 ደቂ ንጉሰ ሮም ደቂ ለውንድዮስ ዝኾኑ ዝኸበሩ አሕዋት ቅዱስ መክሲሞስን ቅዱስ ዱማቴዎስን ናይ ዕረፍቶም በዓል እዩ፡፡ ኣቦኦም ድማ ንጉሰ ሮም ለውንድዮስ ሃይማኖቱ ዝቀንዐ ንእግዚአብሔር ዝፈርህ ብዝቀንዐ ፍርዲ ዝፈርድ ነበረ፡፡ ስለዚ ከኣ እግዚአብሔር ነዞም ክልተ ቅዱሳን ቆልዑ ሃቦ፡፡ ንሳቶም ድማ ካብ ቁልዕነቶም ጀሚሮም ብንጽህና ከም ቅዱሳን መላእክቲ ኾኑ፡፡ ኣቦኦም ከኣ ትሕትናን፣ ፍርሃት እግዚአብሔርን፣ ምግባር ሃይማኖትን እናመሃረ ስለዘዕበዮም መክሲሞስን ዱማቴዎስን ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግሥቲ ኣብዚሖም ዝጾሙ ዝጽልዩ መዓልትን ለይትን ድማ ናይ ብሉይን ሓዲስን መጻሕፍቲ ዘንብቡ ኾኑ፡፡እግዚአብሔር ድማ ካብቲ ብኢዶም ዝሰርሕዎ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ዝተላዕለ ስም ናይ ቅዱስ መክሲሞስን ቅዱስ ዱማቴዎስን ርኩሳን መናፍስቲ ኣብ ዝሰምዑ ግዜ ካብ ሰባት ወጽዮም ይሃድሙ ነበሩ፣ ሰባት ድማ ኣብቲ ግዜ ብሓይሊ ጎይታና ይድሕኑ፡፡ ብጣዕሚ ዓቢ ዝኾነ ኣብ ጥቃ ጎደና ዝነብር ሓደ ዓቢ ከይሲ(ገበል) ነበረ፡፡ ንብዙሓት ሰባት ድማ ኣጥፍአ፡፡ ናይታ ሃገር ሰባት ድማ ናብቶም ዝኸበሩ ቅዱሳን መክሲሞስን ዱማቴዎስን መጽዮም ካብዚ ከይሲ መታን ከድሕንዎም ለመንዎም፡፡ ኣባ መክሲሞስ ድማ ክርታስ(ብርዒ) ኣልዒሉ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡- ‹‹ብስም ናይ ብፁዕ መቃርዮስ ኣምላኽን ንመንፈስ ቅዱስ ብዝለበሰ ብናይ ኣቦና ኣጋብዮስ ኣምላክን ብህያው እግዚአብሔር ኣካላዊ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ደብዳቤ ኣብ አፍ ደገ በዓትኻ ምስ በጽሐ ኣንታ ከይሲ ወጺኻ ሙት፣ ናይ ሰማይ ኣዕዋፍ ድማ ይብሉዑኻ›› ኢሉ ጽሒፉ ንሓደ ሰብ ሃቦ፡፡እቲ ናይ ኣባ መክሲሞስ ናይ ጽሕፈት ደብዳቤ ዝሓዘ ሰብ ናብቲ ሃገር ከይዱ ኣብቲ ኣፍ ደገ በዓቲ ናይቲ ገበል ነታ ደብዳቤ ኣንበራ፡፡ ሽዑ ንሽዑ ድማ እቲ ገበል ካብቲ በዓቱ ወጽዩ ሞተ፡፡
ናይዞም ዝኸበሩ ቅዱሳን መክሲሞስን ቅዱስ ዱማቴዎስን ረድኤት በረኸቶም ይሕደረና ብጸሎቶም ይምሓረና አሜን!

Пікірлер: 2
@lidyabereket7293
@lidyabereket7293 6 ай бұрын
Amen Amen Amen
@rahelguesh7680
@rahelguesh7680 7 ай бұрын
ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለሂወት የስመኣልና🙏🙏🙏
Kind Waiter's Gesture to Homeless Boy #shorts
00:32
I migliori trucchetti di Fabiosa
Рет қаралды 16 МЛН
АЗАРТНИК 4 |СЕЗОН 1 Серия
40:47
Inter Production
Рет қаралды 585 М.
He bought this so I can drive too🥹😭 #tiktok #elsarca
00:22
Elsa Arca
Рет қаралды 14 МЛН
Eritrean orthodox tewahdo mezmur zfetweni goytay.
6:30
Zeru tesfagabr tube
Рет қаралды 3,5 М.
Kind Waiter's Gesture to Homeless Boy #shorts
00:32
I migliori trucchetti di Fabiosa
Рет қаралды 16 МЛН