Рет қаралды 130
2 መጋቢት 1972 ዝተወልዱ ሊቀ ጳጳስ ብጹእ ኣቡነ ዳንኤል ዘቫዲን፡ ሎሚ 30 ሰነ 2024፡ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ቡልጋርያ ኰይኖም ብምምራጽ፡ ተቐቢኦም።
ኣብ ዓመተ 2002 ካብ ቤት ትምህርቲ ስነመለኮት ሶፍያ ዝተመረቑ ኣቡነ ዳንኤል፡ 7 ነሓሰ 1999 ድሕሪ ምምናኖም እዮም ንጽባሒቱ 8 ነሓሰ 1999 መዓርገ ዲቁና፡ ድሕሪ 5 ዓመት ድማ ብ27 ሕዳር 2004 መዓርገ ክህነት፡ ካብኡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ባሕቲ ሰነ 2006፡ ኣበ ምኔት ገዳም ድሕሪ ምዃን፡ 20 ጥሪ 2008 መዓርገ ጵጵስና ተቐብኡ። 10 ዓመት ብጵጵስና ድሕሪ ምግልጋል፡ ብ4 ለካቲት 2018 ሊቀ-ጳጵስ ዘቪዲን ኰይኖም ተሾሙ፡ ሎሚ 30 ሰነ 2024 ከኣ፡ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጳጳሳትን፡ ሰበ ስልጣን መንግስትን፡ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያንን፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ”ፓትርያርክ ዘ ኦርቶዶክስ ቤተ ክክርስቲያን ቡልጋርያ ኰይኖም ተቐብኡ።